ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ብምትሕብባር ብዕለት 25ን 26ን ሰነ 2018 ዓ.ም. ዓመታዊ መድረኽ ምይይጥ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ላዕለዎት ስራሕ ሓለፍቲ ኮሰመኢ፣ ልዕሊ 45 ዝኾና ብሃገርለኸን ብብርኪ ክልልን ዝተጣየሻ ኣባላት እቲ ትሕብብር መድረኽን መዳርግቲ ልምዓትን ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ ምይይጥ ኣብ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ’ውን ሓበራዊ ስራሕቲ እቲ ትሕብብር መድረኽ ብዝምልከት ምኽክር ተገይሩ እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዙርያ ሲቪልን ፖለቲካን ከምኡ’ውን ማሕበራዊን ቁጠባውን መሰላት ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታትን ዋና ዋና ክስተታትን ተዳህሲሶም እዮም፡፡ በዚ ድማ ብህይወት ናይ ምንባርን ብናፅነት ናይ ምንቅስቓስን መሰላት፣ ኣተሓሕዛ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ዘለው ሰባት ከምኡ’ውን ኣብ ሓለዋ መሰላት ንጥሕሰት ተጋለፅቲ ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብ (ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን፣ ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን) ሰፊሕ ምይይጥ ተገይሩ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ሃገራዊ ምኽክር፣ መረፃን ስግግር ፍትሒን ኣብ ዝመሳሰሉ ሃገራዊ ከይዲታት ዙርያ ዝተርኣዩ ዓበይቲ ዛዕባታት ተላዒሎም እዮም፡፡

ብኻልእ መዳይ ድማ እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ሲቪክ ሃዋህውን ኣብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን እናጋጠሙ ኣብ ዘለው ፀገማት ዙርያ መኺሮም እዮም፡፡ በዚ ድማ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ዝተጠየሻ መድረኻት ትሕብብር ኣፈፃፅማ ብምግምጋም ኣብቶም ከባቢታት ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ቀፃሊ ትኹረት ዝጠልቡ ጉድለታትን ነፂሮም እዮም፡፡ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባሮም ንምርግጋፅ ኣብ መንጎ ኮሰመኢን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ዘሎ ርክብ ምጥንኻር፣ ሓደ ዓይነት ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕን ብምርድዳእን ብትሕብብርን ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ፍሉይ ጠመተ ተዋሂብዎ እዩ፡፡

እቲ መድረኽ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ዝርከባን ኣባል መድረኽ ትሕብብር ኮሰመኢ-ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝኾናን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ነኒባዕለን ዝመሃሀራሉ፣ ርክባተን ዘጠናኽራሉን ምስ ኮሰመኢ ብሓባር ዝሰርሓሉን ኩነታት ንምምችቻው ዕድል ዝፈጠረ እንትኸውን ኣብ ክልላት ዝርኣዩ እዋናዊን ትኹረት ዝጠልቡን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምፍታሕ ኣብ ቐፃሊ ክውሰዱ ዝግብኦም ስትራቴጂካዊ ስጉምቲታት ንምንፃር እውን ኣኽኢሉ እዩ።

ኣብቲ ምይይጥ መድረኽ ዝተረኸቡ ምኽትል ሓላፊ ቤት ዕዮ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣይተ ጆሴፍ ኑባድም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መድረኽ ትሕብብር ኮሰመኢን ሲቪል ማሕበራትን ንኻልኦት ትካላዊ ትሕብብራት መርኣያ ተገይሩ ክውሰድ ዝኽእል ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ መንጎ ትካላት ዝግበር ሓበራዊ ፃዕሪ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ዝህልዎ እጃም ልዑል ምዃኑ ገሊፆም እዮም፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ብወገኖም ኣብ ኢትዮጵያ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ እዋናዊ ሓበሬታታት ብምልውዋጥ፣ ፃዕሪታት ብምትእስሳርን ብምክትታልን ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣረዲኦም እዮም፡፡ ወሲኾም ድማ ኣባላት እቲ መድረኽ ትሕብብር ሰብኣዊ መሰላት ንኽስፋሕፍሑ፣ ንክሕለውን ንክኽበሩን ብትሕብብር ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡