ስግግር ፍትሒ ሓቛፋይን ኣሳታፋይን ንክኸውን ዘለዎም ተሳትፎን ኣበርክቶን ንምዕባይ ኣብ መንጎ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ዕውት ትሕብብር ምህላው ወሳኒ እዩ
ምፅዳቕ ዓለምለኸ ስምምዕ ሓለዋ ኩሎም ደቂ ሰባት ካብ ግዱድ ስወራ (ICPPED) ሃገራዊ ማዕቐፋት ሕጊ ዝያዳ ዘጠናኽርን፤ ንምክልኻል፣ ምርመራ፣ ተሓታትነትን ከምኡ'ውን ንግዳያትን ስድራቤቶምን ንምክሓስ ሓዱሽ ተወፋይነት ዘርእይን እዩ
እቶም ስልጠናታት ከይዲ እቲ ስግግር ፍትሒ ኣብ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ተመርኪዙ ፍትሓዊን ዘላቕን ውፅኢት ንኸምፅእ ልዑል ኣበርክቶ ይህልዎም
ምስ ሕብረተሰብ-ተኮር ዉዳበታት ምትሕብባር ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ህዝባዊ ተሳተፎ ንምርግጋፅ ዓብዪ እጃም ይፃወት
ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ህይወት፣ መነባብሮን መሰረታዊ መሰላትን ደቂ ሰባት ብዘብፅሖ ቀጥተኣዊ ፅልዋ ከቢድ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት የስዕብ
ኮሰመኢ ዋና ዘይሻራዊ ተቖፃፃሪ ስምምዕ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ክኸውን እዩ
ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዘይሻራዊ ብዝኾነ መንገዲ ንምክትታል ዓቕሚ ኪኢላታት ምጥንኻር ኣገዳሲ እዩ
ኣብ ኢትዮጵያ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕን ማሕለኻታት ንምፍታሕን ትሕብብር ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሓ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዕዙዝ እጃም ይፃወት
ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንምትራፍ ጎናጎኒ ምዕባይ ስራሕቲ ግንዛበ፤ ተግባራዊ መልሲ ዝህቡ ማዕቐፋት ሕጊ፣ ፖሊሲን ትካላትን ምዝርጋሕ የድሊ
እቶም ስልጠናታት፤ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብን ኣፈፃሚ ኣካላትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምጥንኻር ብዝሓለፈ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ተግባራዊ ንምግባር ፍልጠትን ክእለትን ንምዕባይ ዕድል ፈጢሮም እዮም