ሲቪልን ፖለቲካዊን መሰላት
ፕሮግራም ሲቪልን ፖለቲካዊን መሰላት ዋና ዓላማኡ ናፅነት ምእካብን ምንቅስቓስን፣ ሓሳብካ ብናፃ ናይ ምግላፅን ሓበሬታ ናይ ምርካብን፤ ብህይወት ናይ ምንባር፣ መሰል ናፅነትን ድሕንነትን፤ ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊን ትኽክለኛ ፍትሒን ናይ ምርካብ መሰል፣ ኣብ ፖለቲካ ናይ ምስታፍ መሰል ከምኡ’ውን ካብ ኣድልዎን ስቓይን ናፃ ናይ ምዃን መሰል ዝኣመሰሉ ሰፋሕቲ ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ንኽስፋሕፍሑ፣ ንክኽበሩን ንክሕለውን ንምስራሕ እዩ።
ብምርምር/ምርመራን ጎስጓስን፣ ውፅኢታዊ ንጥፈታት ምምሃርን ምልዕዓልን ከምኡ’ውን ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕግጋዝ፤ ሲቪልን ፖለቲካውን መሰላት ንኽስፋሕፍሑን ንጥሕሰታት ተሓታቲነት ንኽረጋገፅን ንሰርሕ፡፡ እዚ ድማ ንልዕልነት ሕጊን ዲሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ወሳኒ እዩ።