ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ንዳያኑ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ እጃም ኣብያተ ፍርዲ ኣብ መዳይ ምኽባር መሰል ምርካብ ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ጉዱኣት ኣካልን ዘተኮረ ስልጠና ሂቡ።

እቲ ስልጠና ኣብ ከተማ ባህር ዳር እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ ዓመታዊ ጉባኤ ዳያኑ እቲ ክልል ኣብ መበል 3ይ መዓልቲ እቲ ጉባኤ እዩ ተዋሂቡ።

ኣብቲ ስልጠና ኪኢላታት ኮሰመኢ ብዛዕባ እጃም ዳያኑ ኣብ ምኽባር መሰል ምርካብ ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ጉዱኣት ኣካልን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም እዮም።

ኣብ ኮሰመኢ ኪኢላ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ወ/ሮ ጎጃም ኣበበ ኣብያተ ፍርዲ ብዘይ ኣድልዎ ምቹው ኩነታት መጋባእያ ክፈጥሩ ከምዘለዎም ገሊፀን።

እተን ኪኢላ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዕድመ፣ ፆታን ጉድኣት ኣካልን መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ከይተገበረሎም ፍትሓዊ ግልጋሎት ናይ ምርካብ፣ ድጋፍ ግልጋሎት ሕጊን ግንዛበ ምርካብን ኣብ ምቹው መጋባእያ ናይ ምትእንጋድን ዝሓቁፍ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኣብያተ ፍርዲ እዚኦም ኩነታት ምምላኦም ከረጋግፁ ከምዝግባእ ሓቢረን እየን።

ዳያኑ ውሳነ ኣብ ዝህብሉ እዋን ንመፃኢ ፅቡቕ ዕድል ህፃናት (best interest of the child) ቅድሚት ክህቡ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲበን እየን።

ከምኡ እውን ኣብያተ ፍርዲ ከም CEDAWን CRCን ዝበሉ ዓለምለኸ ስምምዕ ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ብምግባር ክሰርሑ ከምዝግባእ መብርሂ ሂበን እየን።

ብኻልእ መዳይ ድማ ኣብ ኮሰመኢ ኪኢላ መሰላት ጉዱኣት ኣካልን አራውያንን ዝኾኑ ኣይተ ኣረጋ ሽፈራው ጉዱኣት ኣካል ዘጋጥሙዎም ፀገማት ዘርዚሮም እዮም።

እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ምቹው ከባቢ ኣብያተ ፍርዲ ምርግጋፅን ፀገማት ቋንቋን ክፍትሑ ከምዝግባእ ሓቢሮም እዮም።

ብተወሳኺ ድማ ሰብሞያ ስነ-ልቦና ብምምዳብ ምቹው ትካላዊ ኩነታት ምፍጣር ኣድላይ ምዃኑ ሓቢሮም።

እዚ ስልጠና ክእለት ዓቕሚ ዳያኑ ብምዕባይ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ዘኽበረ ግልጋሎት ዳይነት ንምሃብ ይሕግዝ።

ፎቶ:- ካብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ