ሰብኣዊ መሰላት ንኹሎም ደቂ ሰባት
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዝተጣየሸን ንቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፀብፃብ ዘቕርብ ኣካል ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዘይሻራዊ ትካል ኮይኑ ንሓለዋን ምስፍፍሕፋሕን ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሕን ሃገራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት እዩ፡፡
(ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 55/14ን መጣየሺ ኣዋጅ ቑፅሪ 210/1992 ብኣዋጅ ቑፅሪ 1224/2012 ከምዝተመሓየሸ)



