ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላት
ዝያዳ ተጠቃዕቲ ስስነት ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊን ባህላዊን መሰላት ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎምን ዝተገለሉ ማሕበረሰብን ብምኻኖም፤ ንኩነታት መነባብሮ፣ መንበሪ ኣባይትን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ሰፋሕቲ ማሕበራዊን ቁጠባዊን መሰላት ንምስፋሕ፣ ንምኽባርን ንምክትታልን ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎምን ቀዳምነት ብምሃብ ንሰርሕ፡፡ ብተወሳኺ ባህላዊ መሰላት ምኽባሮም ብምርግጋፅ ብማዕርነት፣ ሰብኣዊ ክብሪ መሰረት ብዝገበረን ብዘይ ኣድልዎን ኣብ ናይ ባዕልኻ ባህሊ ምስታፍ ከምኡ’ውን ብገዛእ ቋንቋኻ ናይ ምምሃር ዕድል ምርካብ ዝኣመሰሉ ኣካላት ባህሊ ብዝበለፀ ንኽስፋሕፍሑን ንክኽበሩን ንሰርሕ።
ብምርምርን ጎስጓስን ኣቢልና ንፁርነት ሕጊ (normative clarity)፣ ኣብ ፍርዲ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ (justiciability)፣ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ (enforceability) ከምኡ’ውን ብዓቢዪ ኣብ ምስፋሕ ተጠቃምነት ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላት ንሰርሕ፤ ነዞም መሰላት ዘድልዩ ሕጋዊ ረቛሒታት ክሳብ ክንደይ ይኽበሩ ከምዘለው ንከታተል፣ ሰብኣዊ መሰላት ንሕድሕዶም ዝተኣሳሰሩ፣ ዘይፈላለዩን ዘይመቓቐሉን ምዃኖም ንምርግጋፅ ድማ ንሰርሕ።