መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን
ኣስታት 17.6% ዝኸውን ክፋል ማሕበረሰብ ምስ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣካል ጉድኣት ዝነብር ከምኡ’ውን ንኣረጋውያን ዝግበር ሓለዋ ዉስን ብምዃኑ፤ መሰል ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ምስፍሕፋሕ፣ ምኽባርን ምክልኻልን እዋናዊን ኣዝዩ ኣገዳሲን ዛዕባ ብምዃኑ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ፡፡
ብዕውት ምርምር፣ ጎስጓስን ኣብ ሞንጎ መዳርግቲ ኣካላት ዝግበር ምትሕግጋዝ ብምስፋሕን፤ እዞም ኣገደስቲ ክፋላት ማሕበረሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ኩለመዳያዊ ፅልዋታት ብዝምልከት ንቕሓት ንምፍጣር፣ እዞም ጉዳያት ኣብ ሃገራዊ ፖሊሲ ቀዳምነት ክረኽቡ ንምግባር፣ ከምኡ’ውን ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ሰብኣዊ መሰሎም ብምሉእነት ንኸተግብሩን ንክሕጎሱን ምስ ዓለምለኻዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዝጠዓዓም ሕጋውን ትካላውን ሪፎርም ንምስፋሕ ንሰርሕ።