ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተጣየሻ ኣብያተ ዕዮ ስርዓተ ፆታ፤ ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ኣብ ምክልኻልን ተሓታቲነት ኣብ ምስፋንን መዳይ ልዑል እጃም ኣለወን
ኣብ መንጎ መዳርግቲ ኣካላት ዝህሉ ምትሕብባር ምጥንኻር፤ ዕሸላት-ተኮር ፖሊሲታትን መደባትን ቅልጡፍ ምላሽ ዝህቡ ሓቖፍትን ኣብ መርትዖ ዝተመስረቱን ምዃኖም ንምርግጋፅ ኣገዳሲ እዩ
መደበኛ ዘይኮኑ ዉዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ጥሕሰት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ዝህብዎም ግልጋሎታት ሓገዝ ሕጊ ክጠናኸሩን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመርኮሱን ክኾኑ ይግባእ
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ምንጋድ ንምክልኻል ሕጊታት ብቖራፅነት ምትግባርን ዝተወደበ ኣሰራርሓ መዳርግቲ ኣካላት ምጥንኻርን ኣድላዪ እዩ
ንደቂ ኣንስትዮ ተወዳደርቲ ፖለቲካ ፓርቲን ንሰብሞያ መራኸብቲ ሓፋሽን ኣብ መረፃ ንዝህልዎም ተሳትፎ ንምርግጋፅ ምቹው ኩነታት ምፍጣርን ሓለዋ ምግባርን የድሊ
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ከይዲ ምኽባርን ምስፍሕፋሕን መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ሓላፊነቶም ምውፃኦም ንምርግጋፅ ናይ ክትትል፣ ቑፅፅርን ግንዛበ መዕበይን ስራሕቲ ምጥንኻር የድሊ
ኣብ መዕቖቢ ዝርከቡ ህፃናት ካብ ናይ ገበን ጉዳያት ዝኾኑ ነገራት ተሳቲፎም ዝተረኸቡ ህፃናትን ማእኸላት ተሃድሶን ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ንምምሕያሽ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ኹለንተናዊ ዕቤትን እቶም ህፃናት ዕዙዝ ተራ ይፃወቱ