ብላዕለዎት ኣመራርሓ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ኣመራርሓ ሓፈሻዊ ኣብያተ ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ክልል ሃረርን ከምኡ’ውን ምስ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ምስፍሕፋሕን ምኽባርን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ተበፃሕነት ኮሰመኢን ዘተኮረ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ፡፡  

እቲ ልኡኽ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን መሓመድ ኣሕመድ ከምኡ’ውን ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣሸነፈች ኣበበ ዝሓቖፈ እዩ፡፡   

እቲ ምይይጥ ኣብ መዳይ ምስፍሕፋሕ ሰብኣዊ መሰላት እጃም ኣብያተ ፍርዲ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉን ኮሰመኢ ንኹሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ተበፃሒ ዝኾነሉ ኩነታት ኣብ ምምችቻውን ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡  

ፕሬዝዳንት ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ክልል ሃረር ኣይተ ሰልሃዲን ተውፊቅን ፕሬዝዳንት ቤት ፍርዲ ከተማ ድሬ ዳዋ ኣይተ ነጅብ ኢድሪስን ብወገኖም ኣብያተ ፍርዲ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ ንምሃብ ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊፆም እዮም፡፡  

ብተወሳኺ እውን ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሃረር ዝርከቡ ማእኸላት መዕበዪ ህፃናት ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዝተገበረ ክትትል ኣብ ዝተወሰኑ እማእኸላት መዕበዪ ህፃናት ብመንፅር ኣተሓሕዛ ህፃናትን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝተረኸቡ ርካቦታት ቅልጡፍ ስጉምቲ ምውሳድ ኣብ ዝጠልቡ ጉዳያት ምስ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣመራርሓን ምይይጥ ተኻይዱ እዩ፡፡