ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ክልል ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ መናእሰይ ኣገዲድካ ናብ ውትድርና ምውሳድ፣ ኣብ ናፃነት ሓሳብን ርኢቶ ምሃብን ዝግበሩ ገደባት ከምኡ’ውን እቲ ክልል ምስ ካልኦት ክልላት ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ዝርኣዩ ወታደራዊ ምንቅስቓሳትን ጎንፂታት ዝወለድዎም ዘሻቕሉ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ብቐረባ ኣብ ምክትታል ይርከብ፡፡

እቲ ኮሚሽን ብዝገበሮ ክትትል ክልሉ “ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ” ብዝብል ርእሲ ሰነድ ውሳነ ኣገዲድካ መናእሰይ ናብ ውትድርና ናይ ምውሳድ (“ሕጊ”) ምውፃኡን ኣብ ስራሕ ምውዓሉን ክርዳእ ክኢሉ እዩ፡፡ እቲ ሰነድ ውሳነ ዝወፅአ ብ2012 ዓ.ም. ካብ ኣፍሊጦ ሕገ መንግስታዊ ትካል ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ወፃኢ ኣብቲ ክልል ተገይሩ ብዝነበረ መረፃ መሰረት ዝተጣየሸ፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዝፈረሰ “ቤት ምኽሪ” ኣባላት ድጋሚ ብምእካብ ምዃኑ ኮሰመኢ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ፡፡ እዚ ተግባር ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝጥሕስ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብመሰረት ዓንቀፃት 51ን 52 ሕገ መንግስቲ ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ (ፌ.ዴ.ሪ.ኢ.) ንፌዴራል መንግስቲን ንክልላትን ዝተውሃበ ክፍፍል ስልጣን ዝፃባእ ከምኡ’ውን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰብን ጉዳያት ሃገራዊ ድሕንነትን ናይ ምውሳን ሓላፊነት ብዝምልከት ዝተደንገገ ዝፃባእን እዩ፡፡

ካብ ዕለት 12 ሰነ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ተፈፃሚ ምግባር ከምዝጀመረ ዝተነገረሉ እዚ ሰነድ ግዱድ ውትድርና፤ ተወላዲ እቲ ክልል ዝኾነ ኩሉ ሰብ ንግዱድ ውትድርና ንዝቐርበሉ ፃውዒት ናይ ምቕባል ግቡእ ዝድንግግ እንትኸውን ነቲ ፃውዒት ንዝነፅግ ሰብ ካብ 10,000 ቅርሺ ክሳብ 50,000 ቅርሺ ከምዝቕፃዕ ይድንግግ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ይኹን ካብቲ ክልል ወፃኢ ኮይኖም ህዝቢ ነዞም ተግባራት ንኸይድግፍ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ወይም ኣብቲ ክልል ዝመሓላለፉ ዉሳነታት ዝነቕፉ ወይም ዝቃወሙ ግለሰባት ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ዝሰርሕ ካብ 5 ክሳብ 25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲን ንብረት ብምውራስን ከምዘቕፅዕ ዝድንግግ እዩ፡፡ ኣካላት ፀጥታ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታን ጊዜን ግለሰባት ንክሕዙን ፍተሻ ንኸካይዱን ስልጣን ዝህብ ድንጋገ ዝሓዘ ምዃኑ እውን ኮሰመኢ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ፡፡

ህፃናትን ካልኦት ንጥሕሰት መሰላት ተጋለፅቲ ዝኾኑን ሰባት ብግዱድ ንወታደራዊ ምልመላ ወይም ንኩናት ምውፋር ድንጋገታትን መትከላትን ሕገ መንግስቲን ዓለምለኸ ስምምዓት ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ’ውን ንዓንቀፅ 3 ስምምዕ 1949 ጄኔቫን ብዓለምለኸ ልማዳዊ ሕጊ ሰብኣዊነት ዝተደንገጉ መትከላትን ዝጥሕስ እዩ፡፡ እዚ ተግባር ካብ መንግስቲ ወፃኢ ብዘሎ ዕጡቕ ጉጅለ ዝፍፀም ብምዃኑ ከም ጉልበት ብዝበዛ ሓሊፉ እውን ከም ገበን ኩናት ክቑፀር ዝኽእል እዩ፡፡ ዓንቀፅ 17ን 18ን ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ኩሉሰብ ብሕጊ ካብ ዝተደንገገ ስርዓት ወፃኢ ነፃነቱ ክስእን ወይ እውን ክተሓዝ ከምዘይግባእ ከምኡ’ውን ግዱድ ስራሕ ንክሰርሕ ክግደድ ከምዘይኽእልን ይድንግግ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ብሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፀዲቑ ዝወፅአን ኢትዮጵያ ብኣዋጅ ቑፅሪ 826/2006 ኣፅዲቓ ኣካል ሕጊ ዝገበረቶን መማረፂ ፕሮቶኮል ስምምዕ መሰላት ህፃናት ዝኾነን ህፃናት ኣብ ውሽጢ ብረታዊ ቃልሲ ብዛዕባ ዝህልዎም ተሳትፎ ዝምልከት ስምምዕ ዓንቀፅ 4፤ ዕጡቓት ጉጅለታት ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ዝኾኑ ህፃናት ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንወታደራዊ ግልጋሎት ምምልማል ኮነ ኣብ ውሽጢ ዕጥቃዊ ቃለሲ ምጥቃም ከምዘይግባእ ይድንግግ፡፡

ብብርኪ ኣህጉር ደማ ኣብ ዓውዲ ኩናት እውን ተፈፃሚ ብዝኸውን ቻርተር መሰላትን ድሕንነትን ህፃናት ኣፍሪካ ዓንቀፅ 22፣ ኣባል ሃገራት ህፃናት ኣብ ውሽጢ ዕጥቃዊ ቃልሲታት ብቐጥታ ንኸይሳተፉን ዝኾነ ይኹን ህፃን ንወታደራዊ ግልጋሎት ንኸይምልመልን ኩሎም ዘድልዩ ስጉምቲታት ናይ ምውሳድ ግቡእ ዘለወን ምዃኑ፤ ኣብ ውሽጢ ፅልዋ ዕጥቃዊ ኩናት ዝርከቡ ህፃናት ድማ ግቡእ ሓለዋን ክንክንን ንክረኽቡ ኩሎም ዝክኣሉ ስጉምቲታት ንክወስዱ ግቡእ የቐምጥ፡፡

እቲ ሰነድ ግዱድ ውትድርናን ካልኦት ውሳነታትን ብሰላማዊ መንገዲ ዝነቕፉ ወይ ዝቃወሙ ግለሰባት ብኸቢድ ማእሰርቲ ከምዝቕፅዑን ንብረቶም ከምዝውረስን ዝደንገገ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ዜጋታት ሓሳቦም ብናፃነት ንኸይገልፁ ኣብ ህዝባዊ ጉዳያት ዘለዎም ሓሳባት ንኸየካፍሉን ኣብ ውሽጢ ፍርሓት ንክነብሩን ብምግባር ብሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ዓንቀፅ 29ን ብኻልኦት ኢትዮጵያ ተቐቢላ ብዘፅደቐቶም ዓለምለኸ ስምምዓት ዝተረጋገፁ ሓሳብካ ናይ ምግላፅ ናፅነት፣ ናይ ሚድያ ናፅነትን ሓበሬታ ናይ ምርካብን ምፍናውን መሰላት ዝፃባእ እዩ፡፡

ኣብቲ ክልል ቅድሚ እዚ ግዱድ ሰነድ ውትድርና ምውፃኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መናእሰይ ብፍላይ ድማ ህፃናት፣ ተመዛበልቲ፣ ሕሙሟት ጥዕና ኣእምሮ ከምኡ እውን ካብ መዓስከራት ስደተኛታትን ካብ ፀበል ስፍራታትን ሓዊሱ ብግዱድ ብምውሳድ ናብ ማእኸላት ወታደራዊ ስልጠና ናይ ምውሳድ ተግባር እናተፈፀመ ዝፀንሐ እንትኸውን፤ እቲ ግዱድ ሰነድ ውትድርና ድሕሪ ምውፃኡ ደማ እዚ ተግባር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ብምቕፃል ተምሃሮ ቤት ትምህርቲታት ኣብነት ካብ ኣብያተ ክርስትያናት ከምኡ’ውን ካልኦት ብዙሓት ሰባት ካብ ዕዳጋ ቦታታት፣ ካብ ማእኸላት መዘናግዒ መናእሰይን ገዛ ንገዛ እናዘርካ ብዝግበር ግፋን ናብ ወታደራዊ ተግባር ንኽኣትዩ ምግባር ምቕፃሉ ኮሰመኢ ተሓፊሶም ተወሲዶም ካብ ዝተመለሱ መናእሰይ፣ ካብ ስድራቤቶምን ካብ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ብዘተኣኻኸቦ ሓበሬታ ከረጋግፅ ክኢሉ እዩ፡፡ ብግዱድ ተገፊፎም ካብ ዝውሰዱ ሰባት ማእኸል ብኣብዝሓ ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ምዃኖም ኮሰመኢ ከረጋግፅ ክኢሉ እዩ፡፡ 

ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ኣብቲ ክልልን መዋስንቲ ክልላትን ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይሊታት ብዝተፈጠሩ ጎንፂታት ኣብ ህይወት ሲቪል ሰባትን ንብረትን እናብፅሕዎ ዘለው ጉድኣት ዘሻቕሉ ምዃኖም ንምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ብዕለት 17ን 18ን ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ጣብያ ሰሌንውሃ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ኣቦን ወዲን ዝኾኑ ክልተ ሰባት ህይወቶም ምስኣኖምን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ እንስሳታት ጉድኣት ምብፅሑን ኮሰመኢ ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ብወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ብዝተፈጠሩ ወጥሪታትን ወታደራዊ ምንቅስቓሳትን ምኽንያት ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳታት ታሕታይ ፀለምቲ፣ ላዕላይ ፀለምቲን ከተማ ማይፀብሪን፣ ካብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ወረዳ ወጀራት ዒስራ ዓዲ ከምኡ’ውን ካብ ደቡባዊ ዞባ ወረዳታት ራያ ጨርጨርን ራያ ኣላማጣን ብዙሓት ነበርቲ ተመዛቢሎም ብዘይ እኹል ሓገዝ ምግቢን መፅለሊን ኣብ ውሽጢ ዘፀግም ኩነታት ከምዝርከቡ ኮሰመኢ ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ብዕለት 18 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ክልል ዓፋር ምምሕዳር ከተማ ኣብዓላ ቀበሌ ሙርጋ ፍሉይ ሽሙ “ኣሳልጌ” ኣብ ዝተብሃል ቦታ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ ኣብ ልዕሊ ነበርቲን ኣግማልን ጉድኣት ምብፅሑን ብዙሓት ነበርቲ ቀበሌ ሙርጋ ካብቲ ከባቢ ምምዝባሎምን ኮሰመኢ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪን ወታደራዊ ምንቅስቓስን ድሕሪ  ስምምዕ ተፃብኦ ጠጠው ምባልን ዘላቒ ሰላምን ፕሪቶሪያ ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ኣንፃራዊ ሰላምን ምርግጋዕን ንድሕሪት ዝመልስ፣ ተፈፃሚነት እቲ ስምምዕ ዝጥሕስን ንተወሳኺ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት መበገሲ ምዃኑን ተፈሊጡ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ ሓዊሱ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ወጥሪን ጎንፂን ካብ ዘጋድዱ ተግባራት ንክቑጠቡ፣ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተማልአ ኩነታት ንከኽብሩን ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብምይይጥ፣ ብምኽክርን ብሕጋዊ ኣገባባትን ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ ንክፈትሑን ፃውዒቶም ኣቕሪቦም እዮም፡፡ እቶም ዋና ኮሚሽነር ወሲኾም ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ክልል ወፂኡ ዝተብሃለ ሰነድ ግዱድ ውትድርና፤ ዓለምለኸ ሕጊ ዝጥሓሰ፣ ሕገ መንግስታዊ መሰረት ዘይብሉን ንተደራራቢን ልዑል ንዝኾነን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ብምዃኑ ብቕልጡፍ ተፈፃሚነቱ ጠጠው ንኽብል ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡