ኮሰመኢ ዝተወለዑ ዕጥቃዊ ጎንፂታት ብቕልጡፍ ጠጠው ንኽብሉ፣ ኣፈላላያት ብዘተ ጥራሕ ክፍትሑ፣ ሲቪል ሰባትን ሲቪል መሰረተ ልምዓትን ግቡእ ሓለዋ ንክረኽቡን ፃውዒት የቕርብ
ጋዜጣዊ መግለፂ
ኣብቲ ክልል መናእሰይ ካብ ፍቓዶም ወፃኢ ናብ ወታደራዊ መዓስከራት ምውሳድን ሓሳብካ ብናፃነት ናይ ምግላፅ መሰል ምግዳብን ተግባራት ምስ መትከላት ሰብኣዊ መሰላትን ሕገ መንግስቲን ዝፃብኡ ብምዃኖም ብቕልጡፍ ጠጠው ክብሉ ይግባእ
ህንፀት መንገዲታትን ህንፃታትን ምቹውን ድሌት ጉዱኣት ኣካል ብዘማልእን መንገዲ ክኸውን ይግባእ
ኮሰመኢ ዶ/ር ኣብዲ ጅብሪል ዓሊ ኣባል ኮሚቴ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላት (CESCR) ኮይኖም ብምምራፆም ዝተሰመዖ ልዑል ሓጎስ እናገለፀ፤ እቲ መረፃ ዘይሻራውያን ክኢላታት ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላት ብብርኪ ዓለምለኸ ኣብ ምኽባር ዘለዎም እጃም ኣፍልጦ ዝሃበ ምዃኑ ይገልፅ
ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ በቲ ዝበፀሐ ጉድኣት ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ፤ በቲ ሓደጋ ንዝተፀለው ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ፣ ዝተወደበን ህፁፅን ናይ ሓደጋ ጊዜ መፍትሒ ንክወሃብ ኣተሓሳሲቦም