ብዋና ኮሚሽነር ክቡር ብርሃኑ ኣዴሎ ዝተመርሐት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ናይ መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ (NANHRI) ስትሪንግ ኮሚቴን ሓፈሻዊ ጉባኤን ተሳቲፋ:: ከምኡ’ውን ኣብ ያውንዴን ሃገረ ካሜሮንን ካብ ዕለት 27-29 ጥሪ 2018 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ መበል 15 ዋዕላ እቲ መርበብ ተሳቲፋ እያ::



ብመሰረት ዓንቀጽ 56 ሕገ-መንግስቲ እቲ መርበብ (NANHRI)፣ እቲ ዋዕላ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ዞባታት ኣፍሪቃ እናተፈራረቐ በቢ-ክልተ ዓመት ዝተኣናገድ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ 2019 ዓ.ም ዝካየድ መበል 16 ዋዕላ እቲ መርበብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክካየድ እዩ:: እቲ ዋዕላ ካብ ኩሉ ክፋል ኣፍሪቃ ዝመፁ ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝርከብሉ እንትኸውን፤ ከም ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት (NHRI)፣ ኣብያተ-ዕዮታት ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ (civil society) ፣ ክኢላታትን ኣተግበርትን ሰብኣዊ መሰላት ፣ ምሁራትን ካልኦትን ዝተኣኻኸብሉ፣ ኣገዳሲ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝመያይጥሉን ናይ ሓባር መንገድታት ዝእንፍቱን መድረኽ እዩ።
ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ 2019 ዓ.ም ንዝካየድ መበል 16 ዋዕላን ሓፈሻዊ ጉባኤን እቲ መርበብ (NANHRI) ንኽተተኣናግድ ብሙሉእ ድምፂ ዝተመረፀት እንትኸውን እዚ ውሳነ ድማ ኮሰመኢ ምክትል ኣቦ-መንበር NANHRI ኮይና ክትምዘዝ ገይርዋ እዩ። ኮሰመኢ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ላዕላዋይ ደረጃ (A-Status) ዘለዋ ሃገራዊት ትካል ሰብኣዊ መሰል ብምዃን፣ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ሙሉእ ብሙሉእ ብምምላእን ኣብ NANHRI ናይ ኣባልነት ግቡኣ ብዝግባእ ብምፍፃምን መበል 16 ዋዕላ ንምድላው ኣድላይ ዘበሉ ኩሎም ረቛሒታት ብምምላኣ እዩ እቲ ዋዕላ ክተተኣናግድ ብሙሉእ ድምፂ ዝተመረፀት።


ኮሰመኢ እቲ ዋዕላ ንኽተተኣናግድ ብሙሉእ ድምፂ ምምራፃ፤ ኣባላት እቲ መርበብ (NANHRI) ኮሰመኢ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምኽባር ዘለዋ ተወፋይነትን ዓብዪ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ ኣብታ ናይ ዲፕሎማሲ ማእኸልን ዋና ከተማን ኣፍሪቃ ዝኾነት ኣዲስ አበባ ንምትእንጋድ ሙሉእ ዓቕሚ ከምዘለዋ ፅኑዕ እምነት ከምዘሕደራ ዝያዳ ዘንጸባርቕ እዩ።
ብተወሳኺ ድማ ኮሰመኢ ከምብሓድሽ ኣብ ዝተመስረተ ናይ NANHRI ናይ ስራሕቲ ንግድን ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከት ናይ ተግባር ጉጅለ ኣባል ኮይና ዝተመረፀት እንትኸውን፤ ናይዚ ሓዱሽ ጉጅለ ኣባል ኮይና ክትምረፅ ዝገበራ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ዕዙዝ ኣበርክቶን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምምዕባል ዘሎ ረቂቕ ሃገራዊ ስራሕቲ ንግድን ሰብኣዊ መሰላትን እትሰርሖ ብዘላ መርኣያ ስራሕትን እዩ።

ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ ከምዝበልዎ እቲ ዋዕላ ከም በዓል ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ወሰንቲ ኣብያተ-ዕዮታት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓዊሱ ናይ ብዙሓት ዞባዊን ዓለምለኻውን ትካላት ኣብ ዝርከቡላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ NANHRI መልእኽታቱ ብዝግባእ ናብ ዝምልከቶም ተዋሳእቲ ንምስራፅን ዕዙዝ ተፅዕኖ ንምፍጣርን ዕድል ዝፈጥር እዩ እሎም።
ኣብ መወዳእታ ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኮሰመኢ ኣብ 20919 ንዝካየድ ዋዕላን ሓፈሻዊ ጉባኤን ዕውት ብዝኾነ መንገዲ ንምስላጥ ምስቲ ትካል መርበብን (NANHRI) ኣባል ሃገራት እቲ መርበብን ብቕርበት ብምስራሕን ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ብምግባርን ዕውት ዋዕላ ንምድላው ድልውነታን ተወፋይነታን ኣረጋጊፆም እዮም።