ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ኢንስቲትዩት ሰብኣዊ መሰላት ዴንማርክ (DIHR) ብምትሕብባር “ደንቢታት ስራሕቲ ቁፅፅር ንግዲን ሰብኣዊ መሰላትን ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህልዎም ጠቐሜታ ምልላይ ” ብዝብል ኣርእስቲ ብዕለት 27 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ናይ ግንዛበ መዕበዪ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ መዳርግቲ ኣካላት ብዛዕባ መምርሒ ተሓታትነትን ዘላቕነት ንግዳዊ ትካላትን ሕብረት ኣውሮፓን (EU Corporate Sustainability Due Diligence Directive (CSDDD)) ደንቢ ግዱድ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓን ዝህልዎም ግንዛበ ንምዕባይን ከምኡ’ውን እዞም ደንበታት ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕቲ ንግዲ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ክህልዎም ዝኽእል ፅልዋን ንምድህሳስ ዝዓለመ እዩ፡፡


እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ካብ መንግስታዊ ትካላት፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ካብ ምሁራንን ዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላት ዝተሳተፉሉ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ካብ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ፍትሒ፣ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ፣ ኮንፈደሬሽን ማሕበር ኣስራሕቲ ኢትዮጵያን (CEEA) ከምኡ’ውን ካብ ማእኸል ሰብኣዊ መሰላት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ዝመፁ ተወከልቲ ተሳቲፎም እዮም፡፡

እቲ ዓውደ መፅናዕቲ፡ ኣብ ኢንስቲትዩት ሰብኣዊ መሰላት ዴንማርክ (DIHR) ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዓውዲታት ንግዲን ቴክኖሎጂን ዝኾኑ ኣሊሴ ሙንሌይ ብዛዕባ መምርሒ ተሓታትነትን ዘላቕነት ንግዳዊ ትካላትን (CSDDD) መምርሒ ግዱድ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓን ዝምልከት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ፣ ቀንዲ ድንጋገታትን ዝውሰዱ ስጉምቲታትን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ብምሃብ እዩ ተጀሚሩ፡፡ እቲ ምይይጥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ኣብዚ ዓውዲ ስልታዊ ብዝኾነ መንገዲ ክሳተፉሉ ዝኽእሉ መንገዲ ዝዳህሰሰ እንትኸውን ብፍላይ ድማ ኣውፃእቲ ፖሊሲ፣ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፣ ትካላት ሲቪል ማሕብረሰብን ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ምስ ንግዲን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተተሓሓዙ ዝወፅኡ ሓደሽቲ መመዘኒታት ሕበረት ኣውሮፓን ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ኢትዮጵያ ክህልዎም ዝኽእል ፅልዋን ክፃወትዎ ዝኽእሉ እጃምን ትኹረት ሂቦም ተመያይጦም እዮም፡፡

ምክትል ፕሬዝዳንት ኮንፈደሬሽን ማሕበር ኣስራሕቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳዊት ሞገስ ኣብቲ ምይይጥ ኣብ ውልቀ ትካላት (private sector) ዝርኣዩ ዘለው ዕንቅፋታትን ዘለው ዕድላትን ብዝምልከት ግብራዊ ትንታነ ዝሃቡ እንትኸውን ስትራቴጂካዊ ምትዕርራይ ከምዘድሊ ሓቢሮም እዮም፡፡ ተሳተፍቲ ብወገኖም እቶም ሕጊታትን ደንቢታትን ንምኽባር ሓፈሻዊ ዝኾነ ኣቀራርባ ከምዘድሊ ብምሕባር ብፍላይ ድማ ምዕባይ ግንዛበ፣ ምጥንኻር ትካላዊ ቁመናን ንግዳዊ ስራሕቲን ከምዘድሊ ኣተሓሳስቦም እዮም፡፡
ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር ሲቪል፣ ፖልቲካ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰላት ዶ/ር ኣብዲ ጅብሪል ኣብ መጠቓለሊ ዘረባኦምስራሕቲ ንግዲ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዓለምለኸ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ንምትእስሳር ሓበራዊ ፃዕሪ ምግባር ኣድላይ ምዃኑ ሓቢሮም እዮም፡፡ እቶም ኮሚሽነር ነዞም ፃዕሪታት ንምሕጋዝ ኮሰመኢ ኣብ ስራሕቲ ግንዛበ ምዕባይ፣ ዓቕሚ ምዕባይ ስልጠናታት ኣብ ምድላውን ናይ ምይይጥ መድረኻት ኣብ ምምችቻውን ዘለዎ ድልውነት ልዑል ምዃኑ እውን ኣረጋጊፆም እዮም፡፡