ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን (AAU-SoL) ማሕበር ኣብያተ ትምህርቲ ሕጊ ኢትዮጵያን (ELSA) ብምትሕብባር “ምትእስሳር ምርምርን ፖሊሲን ንዘላቒ ሰላም” ብዝብል ርእሲ ዓለምለኸ ዋዕላ ምርምር ስግግር ፍትሒ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 19 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ዋዕላ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ዝበፅሓሉ ወሳኒ ምዕራፍ፣ ኣብ ምርምር፣ ኣብ ፖሊሲን ኣፈፃፅማን ማእኸል ዘሎ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዓላማ ዝገበረ እዩ፡፡

ኣብቲ ዋዕላ ኣውፃእቲ ፖሊሲ፣ ተመራመርቲ፣ ምሁራንን ክኢላታትን ሕጊ፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላትን ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ምርግጋፅ ተሓታትነት ገበን፣ ንሓቂ ምእላሽ፣ ስርዓት ካሕሳ፣ ትካላዊ ምምሕያሽ፣ ተሳትፎን ሓቛፋይነትን ከምኡ እውን እጃም መዳርግቲ ኣካላት ዝትንትኑ ጎናዊ መድረኻት ምይይጥ ተኻይዶም እዮም፡፡ በዞም መድረኻት ከይዲ ሃገራዊ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ብመንፅር ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ተሞክሮታት ዳህሳስ ቀሪቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ብቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንዝዳለው ተኸታታሊ መፅሄት ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (AAU-SoL Ethiopian Human Rights Law Series) ፍሉይ ሕታም ዝተዳለዉ 20 ረቂቕ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ሞያዊ መዘናዊ ግምገማ (Peer Review) ተገይርሎም እዩ፡፡ እዚ ድማ ንፅፈት እቶም መፅናዕቲታት ካብ ምድንፋዕ ብዝሓለፈ ንፖሊሲ ሕንፀፃ ዝሕግዙ ጠቐምቲ እታወታት ክርከብ ኣኽኢሉ እዩ፡፡

ኣብቲ ምይይጥ መድረኽ ፍትሒ ንዘላቒ ህንፅት ሰላም ዘለዎ እጃም ከምኡ እውን ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ሕብረት ኣፍሪካን ንተኣማኒ፣ ጭቡጥን ውፅኢታውን ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝገብርዎ ድጋፍ ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ቀቐፃሊ ከይዲታት ኣፈፃፅማ ትካላዊ ምትእስሳርን ካብ ዝሓለፉ ተሞክሮታት ትምህርቲ ምውሳድን ኣድላዪ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ብወገኖም ፖሊሲ ሃገራዊ ስግግር ፍትሒ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንምግባር ብትሕብብር ምስራሕን ትካላዊ ድልዉነት ምጥንኻርን ከምኡ እውን ቐፃልነት ዘለዎ ናይ መዳርግቲ ኣካላት ተሳትፎን ፅንኩር ትሕብብርን ኣድላዪ ምዃኑ ገሊፆም እዮም፡፡

ዲን ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ሙራዱ ኣብዶ ከይዲ ሃገራዊ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ኣድላይነት፣ ቐፃልነት ዘለዎ ናይ ኣካዳሚክን ናይ ፖሊሲን ትሕብብር ከምኡ እውን ካብ ካልኦት ሃገራት ልምዲ ምውሳዱን ገሊፆም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር ሲቪል፣ ፖልቲካ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰላት ዶ/ር ኣብዲ ጅብሪል ምፅዳቕ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ዓብዪ ምዕባለ ምዃኑ ብምሕባር ኣብ ቀፃሊ ዋና ትኹረት ክኸውን ዘለዎ ውፅኢታዊ ኣፈፃፅማ ብህዝቢ ተቐባልነት ምርካብን ናይ ጉዱኣት ድሌት ክሳኻዕ ምግባርን ምዃኑ ሓቢሮም እዮም፡፡ እቶም ኮሚሽነር ብምውሳኽ ድማ ናይ ፖሊሲን ናይ ተግባርን ክፍተታት ንምምላእ ዓሚቕ መፅናዕቲን ሓቛፋይ ምይይጥን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምሕባር ኮሰመኢ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ንሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርን ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረን ስግግር ፍትሒ ተግባራዊ ንክኸውን ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ኣረጋጊፆም እዮም፡፡