ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ሓቛፋይን ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዝገበረን ከይዲ ሽግግር ፍትሒ ጋህዲ ንምግባር ዝሕግዝ ሓበራዊ ሰነድ ስምምዕ ምስ ኮንሰርትየም/ሕብረት ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ (Transitional Justice Consortium- Ethiopia) ብዕለት 1 ሰነ 2018 ዓ.ም. ተፈራሪሙ እዩ። እቲ ስምምዕ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብርሃኑ ኣዴሎን ተወካሊ እቲ ሕብረት ዋና ዳይረክተር ማእኸል ምርምር ስግግር ኣፍሪካ ሙሉቀን ጌታቸውን ዝተፈራረሙ እንትኸውን እቲ ስምምዕ ኮሰመኢ ምስቲ ትካልን ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ብምስራሕ፣ ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረ ስግግር ፍትሒ ንኽትግበር ንዝገብሮም ፃዕሪታት ልዑል ኣበርክቶ ይህልዎ።

ብኣርባዕተ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰበ ውሽጢ ዓዲ ማለት እውን ማእኸል ምርምር ስግግር ኣፍሪካ (African Center for Transitions Studies- ACT)፣ ትሕብብር ንዕብየት ብመጓሰ ዝመሓደሩ (Partnership for Pastorialists Development – PAPDA)፣ ሕብረት ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንሰላም ኢትዮጵያ (Consortium for Ethiopian Civil Society Organizations of Peace – CESCOP)ን ማእኸል ዲሞክራሲ ቐርኒ ኣፍሪካን (Horn Center for Democracy – HCD) ዝተመስረተ ኮንሰርትየም ፍትሒ ስግግር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ከይዲ ሽግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ውሽጢ ዓዲ ብሓባር ብምዃን ንቑሕ ተሳትፎ ንኽገብራ ዘኽእል ሃዋህው ንምፍጣር ዓላማ ዝገበረ እዩ።

ኣብ እዋን ስነ-ስርዓት ፊርማ ነቲ ሕብረት ዝወከሉ ዋና ዳይረክተር ማእኸል ምርምር ስግግር ኣፍሪካ ሙሉቀን ጌታቸው እቲ ሰነድ ስምምዕ ከይዲ ሽግግር ፍትሒ ንኹሉ ዘሳትፍ ንክኸውን ዝግበሩ ፃዕሪታት ንምስኻዕ ዕዙዝ እጃም ከምዝህልዎ ብምግላፅ ብመሰረት እቲ ሓበራዊ ሰነድ ስምምዕ ነቲ ኮንሰርትየም ዝተውሃበ ፕሮጀክት ምንፃርን ምደባን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ (CSO Mapping and categorization) ብዝሓሸ ድልውነት ንምፍፃም ፃዕሪ ከምዝገብሩ ኣረጋጊፆም እዮም።

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ብወገኖም እቲ ሓበራዊ ስምምዕ ኣብ ኢትዮጵያ ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረ፣ ሓቛፋይን ንሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዝገበረን ከይዲ ሽግግር ፍትሒ ንምትግባር ኣወንታዊ ኣበርክቶ ዘለዎ ምዃኑ ገሊፆም እዮም። እቶም ዋና ኮሚሽነር ወሲኾም ድማ ኮሰመኢ ምስ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ብምትሕብባር ኣብ ዙርያ ሽግግር ፍትሒ ዓቕሚ ምዕባይን ተሳትፎን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ እናደገፈ ከምዝፀንሐ ብምሕባር እዚ ሓዱሽ ስምምዕ ምስ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዘሎ ቀፃልነት ዘለዎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ ክብሉ ገሊፆም እዮም።