ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ምንጋድ ብዝምልከት ዝፍፀሙ ተግባራት ንምዕጋት ኣብ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ብዘከናወኖም ክትትላት ኣተገባብራ ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባት ብዝምልከት ብዕለት 5 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምኽክር መድረኽ ኣካይዱ እዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ካብ ትካላት ክልልን ፌዴራልን ዝተውፃፅኡ መዳርግቲ ኣካላት ዝተሳተፉ እንትኸውን ካብ ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ኣዳማ፣ ባህር ዳር፣ ሃዋሳን ወላይታ ሶዶን ከምኡ’ውን ካብ ዞባ ምብራቓዊ ሸዋ ዝተውፃፅኡ ሓለፍቲ ስራሕን ተወከልቲን ትካላት ፍትሒን ስራሕ ፈፃሚን ተረኺቦም እዮም፡፡

ኣብቲ ዘተ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝግበር ንግዲ ንምዕጋት ዝተኻየዱ ግንዛበ መዕበዪ ስራሕቲ፣ ስራሕ ዕድል ፈጠራ፣ መፅናዕቲን ምርምርን፣ ኣተገባብራ ትልሚታትን መምርሒታትን ስራሕ፣ ስርዓት ኣቀራርባ ጥርዓንን ጥቆማን፣ ምርመራ ገበን፣ ኣቀራርባ ክስን ተሓታትነትን ከምኡ’ውን ምትእስሳራዊ ስራሕቲ ሓለዋ ድሕንነትን ዳግም ምጥያሽን ግዳያት ብዝምልከት ኣፈፃፅማ ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ካልኦት በቲ ክትትል ዝተነፀሩ ትኹረት ዝጠልቡ ጉዳያትን ቀሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡

ጥሕሰት መሰላት ንምክልኻል ስራሕ ዕድል ምፍጣርን ግንዛበ መዕበዪ ስራሕቲን ምስርሖም፣ መደበኛ ኣብ ዘይኮኑ ዘፈራት ስራሕ ክትትል ዝግበር ምዃኑ፣ ስርዓት ጥቆማ ምዝርጋሕ ምኽኣሉን ምስ ዓቕሚ ምዕባይን መሊስኻ ምጥያሽን ብዝምልከት ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ኣብቲ ምይይጥ ብኣወንታ ዝተለዓሉ ሓሳባት እዮም፡፡ ብኻልእ መዳይ ድማ ምስ ዝተወደበ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ፣ ምስ ገበን ምርመራን ኣመሰራርታ ክስን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ስራሕቲ ፅንዓትን ምርምርን ሐዚ እውን ጉድለታት ምህላዎም ትኹረት ዝጠልቡ ዘተሓሳስቡ ጉዳያት ተባሂሎም ዝተለዓሉ እዮም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ብወገኖም ፅቡቓት ጅማሮታት  ክቕፅሉ ኣብ ምግባርን ትኹረት ዝጠልቡ ዘተሓሳስቡ ኮይኖም ዝቐፀሉ ፀገማትን ብዘላቒነት ንምፍታሕ ኣብ ምቕያር ማሕበረሰባዊ ኣመለኻኽታ ብስፍሓት ምስራሕ፣ ናይ ሕጊ ክፍተታት ምስትኽኻል፣ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ምዕባይን ምጥንኻር ትሕብብር መዳርግቲ ኣካላትን ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሮም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣሸነፈች ኣበበ ከምዝገለፅኦ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣን ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ናይ ምንጋድ ተግባራት ንምዕጋት ዝተወሰዱ ስጉምቲታት፣ ዝወፅኡ ሕጊታትን ዝተመስረቱ መተሓባበሪ ማእኸላትን ዝበረታትዑ ጅማሮታት ምዃኖም ንምሕባር፤ ዕምቆት እቲ ፀገም ክርአ ከሎ ሰፊሕ ስራሕቲ ዝጠልብ ብምዃኑ ሕጊታት ብቑርፀኝነት ምትግባር፣ ጉድለታት ምምላእን ናይ መዳርግቲ ኣካላት ትሕብብራዊ ኣሰራርሓ ምጥንኻርን ወሳኒ ምዃኑ ኣፅንዖት ሂበን እየን፡፡ ብተወሳኺ ድማ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ናይ ኩሉ ተሳትፎ ዝጠልብ ብምዃኑ መዳርግቲ ኣካላት ሓላፊነቶም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪበን እየን፡፡