ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ቤት ዕዮ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (Office of the United Nations High Commissioner for Refugees-UNHCR)፣ ግልጋሎት ስደተኛታት ኢየሱሳዊያን (Jesuit Refugee Service (JRS) ከምኡ’ውን ምስ ማእኸል ግልጋሎት ነፃ ሕጊ ድጋፍ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት “ኩሉሰብ ድሕንነቱ ክሳብ ዝረጋገፀሉ” ብዝብል ቴማ ብዕለት 15 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ አኽቢሩ እዩ፡፡ እቲ መርሃ ግብሪ ፅንዓት ስደተኛታት፣ ኣብርክቶን ዓወታትን ንምኽባር፣ ብዛዕባ መሰላቶም ግንዛበ ንምዕባይ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ሓለዋ ስደተኛታት፣ ተሳትፎን ሓቛፋይነትን ንምጥንኻር ዓላማ ዝገበረ እዩ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብስደተኛታት ብዝምርሑ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ናይ ስደተኛታት ቦታ ንምፍጣር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብዝምልከት ፓናል ምይይጥ ዝተኻየደ እንትኸውን ስደተኛታት ዝመርሕዎም ትካላት (Refugee-Led Organisations (RLOs)) ተወከልቲ ናይ ምውዳብ መሰል ንተሳትፎ ስደተኛታትን ኣመራርሓን ዘለዎ ኣገዳሲነት፣ ትካላቶም ንስደተኛታትን ንተቐባሊ ማሕበረሰብን ዘበርክትዎ ኣስተዋፆ፣ እናተሳለጡ ዘለው ተግባራትን ንቐፃሊ ተሳትፎን ኣመራርሓን ስደተኛታት ንምጥንኻርን ዘለው ዕድላት ብዝምልከት ተሞክሮኦም ኣካፊሎም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ መሰላት ስደተኛታት ዝምልከቱ ዓለምለኸ፣ ኣህጉራውን ሃገራውን ማዕቐፋት ሕጊን ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣብ ከተማ ስደተኛታት ተምሃሮ ዝተሳተፉሉ ውድድር ሕቶን መልሲን ተኻይዱ እዩ፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ መርሃ ግብሪ ሓለዋ መሰላት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ንምጥንኻር፣ ዕዙዝ ድምፂ ክህልዎም ንምኽኣልንዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕን ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ውሳነ ትርጉም ዘለዎም ተሳትፎ ንኽህልዎም ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓበራዊ ፃዕሪ ከምዘድሊ ተገሊፁ እዩ፡፡