ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ምምሕዳር ከተማታትን ክልል ዓፋር ዝርከባ 46 ፖሊስ ጣቢያታትን 5 አብያተ ህንፀትን ብዘካየዶ ክትትል ኣተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላት ዝተረኸቡ ርካቦታትን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ብዝምልከት ብዕለት 19ን 20ን ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣሳይታ ምይይጥ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ ምይይጥ ምኽትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር፣ ኣካቢን ኣባላትን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ምምሕዳርን ቤት ምኽሪ እቲ ክልል፣ ኮሚሽን ፖሊስን ሓለፍቲ ኣብያተ ህንፀትን እቲ ክልል፣ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ክልል፣ ተወከልቲ ቢሮ ፍትሒን ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ በቲ ክትትል ዝተነፀሩ ብሉፃት ተሞክሮታትን ክስተኻኸሉ ዝግብኦም ዘተሓሳስቡ ጉዳያትን ሰብኣዊ መሰላት ቀሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡ ኣብ ተጠርጠርቲን ተሃነፅቲን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈፀሙ ኣባላት ፖሊስ ክሕተቱ ምግባሩ፣ ተጠርጠርቲን ተሃነፅቲን ምስ ጎብነይቶምን ስድራቤቶምን ሰሙን ሙሉእ ዝራኸብሉ ኣሰራርሓ ምዝርጋሑ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ፖሊስ ጣቢያታት ንተጥርጠርቲ ንምግብን ንሕክምናን ዝኸውን በጀት ምምዳብ ምጅማሩን ንተሃነፅቲ ንግልጋሎት ምግብን ንሕክምናን ዝተመደበ በጀት ክውስኽ ምግባሩን ኣብቲ ዘተ ብኣዎንታ ካብ ዝተልዓሉ ተሞክሮታት እዮም፡፡

ብኻልእ መዳይ ድማ ኣብ ፖሊስ ጣቢያታት ተጠርጠርቲ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ኣብ ምግባር ክፍተታት ምህላዎም፣ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መናእሰይ ተጠርጠርቲ ካብ ዓበይቲ ተፈሊዮም ዝፀንሑሎም ክፍሊታት ዘይምህላዎም ከምኡ’ውን መሰረታዊ ድሌታት ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ኣብ ግምት ዘእተው ፍሉይ ድጋፋት ዘይምህላዎም፣ ሕፅረትን ዝተፃበበን መሕደሪ ክፍሊታት ተሃነፅቲ ምህላውን ግልጋሎት ኣምቡላንስ ዘይምህላውን ክስተኻኸሉ ዝግብኦም ዘተሓሳስቡ ጉዳያት ምዃኖም ተሓቢሩ እዩ፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ብወገኖም ብኮሰመኢ ዝቐረቡ ርካቦታት ኣብ ፖሊስ ጣቢያታትን ኣብያተ ህንፀትን ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ዝገልፁ ምዃኖም ብምሕባር በቶም ዝተኻየዱ ክትትላት ዝተነፀሩ ኣዎንታዊ ምዕባለታት ንምቕፃልን ከምኡ’ውን ዘተሓሳስቡ ተባሂሎም ዝተጠቐሱ ጉዳያት መፍትሒ ንምሃብን ከምዝሰርሑ ገሊፆም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን መሓመድ ኣሕመድ ኩነታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲን ተሃነፅቲን ንምምሕያሽ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ኮሚሽነር ወሲኾም ድማ ኮሰመኢ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ምስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም እዮም፡፡