ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ወሰና ወሰን ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ከምኡ’ውን ትግራይን ዓፋርን ከባቢታት ዝተልዓሉ ጎንፂታት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዘብፅሕዎ ዘለው ሳዕቤን ብቐረባ ኣብ ምክትታል ይርከብ፡፡
ኮሰመኢ ኣብ ትግራይ ይፍፀሙ ዝነበሩ መናእሰይ ኣገዲድካ ናብ ውትድርና ክዘምቱ ናይ ምግባር ስጉምቲታትን ዜጋታት ሓሳቦም ብናፅነት ከይገልፁ ዝግበሩ ገደባትን ከምኡ’ውን ኣብቲ ክልልን ምስ ጎረባብቲ ክልላትን ዝፍጠሩ ወጥሪታትን ወታደራዊ ምንቅስቓሳትን ብቕልጡፍ ጠጠው ንኽብሉ፣ ኩሎም ፀገማት ብሰላማዊ ምይይጥን ብሕጋዊ መንገዲን ጥራሕ ንኽፍትሑ ፃውዒት እናገበረ ምፅናሑ ዝዝከር እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብዞም ከባቢታት ዝነበረ ወጥሪ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተጋደደ ብምኻድ ሐዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዕጥቃዊ ኩናት ዝተወልዐን እናተኻየደን ምዃኑ ኮሰመኢ ካብ ዘተኣኻኸቦም ሓበሬታታትን መረዳእታታትን ከረጋግፅ ክኢሉ ኣሎ፡፡ ብፍላይ እዞም ከባቢታት ብተደጋጋሚ ብኩናት ዝተጎድኡን ብዝግባእ ዘይሓወዩን ብምዃኖም ዳግማይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምውላዑ ኣብ ኩነታት ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ተደጋጋሚ ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእል ብምዃኑ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ፡፡
ንባዕሉ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)” ኢሉ ዝፅውዕ ጉጅለ ዘዋፈሮም ዕጡቓት ኣብ ወሰና ወሰን ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዘለው ከባቢታት ዘሊቑ ብምእታው ዕለት 12 መስከረም 2019 ዓ.ም. ለይቲ ካብ ሰዓት 9፡00 ጀሚሩ ኩናት ምውላዑ፤ ብተመሳሳሊ ክልል ትግራይ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝዋሰነሎም ዞባ ዋግኽምራን ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ላስታን ከባቢታት ኣብ መንጎ ሓይሊታት ፀጥታ መንግስቲን ‘ህወሓት’ ዘዋፈሮም ዕጡቓትን ኩናት ዝተወልዐ ምዃኑ ኮሰመኢ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ፡፡
እቶም ጎንፂታት ኣብ ልዕሊ መሰላት ዜጋታት ብህይወት ናይ ምንባር፣ ድሕንነት ኣካል፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምዝውዋርን ከምኡ’ውን መዓልታዊ ምንቅስቓሳትን ልዑል ፅልዋ እናሕደሩ እንትኸውን፤ ንኣብነት ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ምዕርፎ ነፈርቲ መቐለ አሉላ አባ ነጋ፣ ሽረን ኣክሱምን ‘ህወሓት’ ብዘዋፈሮም ዕጡቓት ካብ ዕለት 12 መስከረም 2019 ዓ.ም. ጀሚሩ ብምትሓዞም በረራታት ብምቁራፆም ኣብ ልዕሊ ካብ ቦታ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምዝውዋር መሰል ደቂ ሰባት ፅልዋ ኣሕዲሮም እዮም፡፡ ከምኡ’ውን ካብ ክልል ትግራይ ናብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ብመሬት ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ብምባሎም ምኽንያት ኣብ ኣቕርቦት መሰረታዊ ሸቐጣትን ግልጋሎታትን ክፍተታት ምፍጣሮም፤ ነዚ ስዒቡ እውን ናህሪ ዋጋ ክኽሰት ምጅማሩ ዝጥቀሱ እዮም፡፡
ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ኣይተ ብርሃኑ ኣዴሎ እቲ ዝተወልዐ ኩናት ኣዝዩ ዝተሓሳስብ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኩሎም ተሳተፍቲ ሓይሊታት ብፍላይ ድማ ፈረምቲ ኣካላት ስምምዕ ፕሪቶርያ ነቲ ዝተስማመዑሉ ውዕሊ ንከኽብሩን ኣብ ዝገብርዎም ኩሎም ምንቅስቓሳትን ውሳነታትን ብዓለምለኸ ሕጊታት ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊታት ሰብኣዊነትን ዝተውሃቦም ግቡእ ብምኽባር ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባትን ሲቪል መሰረት ልምዓትን ጉድኣት ከስዕቡ ካብ ዝኽእሉ ስጉምቲታት ንኽዕቀቡ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡ እቶም ዋና ኮሚሽነር ወሲኾም ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ተሳተፍቲ ኣካላት እቲ ኩናት ናብ ዘተ ንኽምለሱ ዘይትሓለለ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ንኽገብር ፃውዒቶም ኣቕሪቦም እዮም።