ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ኣመራርሓን ኣባላትን ቀዋሚ ኮሚቴታት ጉዳያት ዲሞክራሲ፣ ሕጊን ፍትሕን ከምኡ’ውን በጀትን ፋይናንስን ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይ ክልተ መዓልቲ መድረኽ ምይይጥ ኣብ ምስላጥ ይርከብ፡፡

ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ ኣብቲ ምኽክር መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መድረ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩ ምግባር ናይ ሓደ ትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት፣ ተወከልቲ ህዝቢ፣ ኣካላት ፍትሒ፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብትሕብብር ክሰርሕዎ ዝግባእ ሓላፊነት እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኮሰመኢ ዘከናወኖም ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ቀዋሚ ኮሚቴታት ኣበርክቶ ኣዝዩ ልዑል ምንባሩ ዝሓበሩ እቶም ዋና ኮሚሽነር ሕጊ ኣውፃኢ ኣካል ክትትል ካብ ምግባር ብዝሓለፈ ተቐራሪቡ ብምስራሑን ብሓባር ብምንቅስቓሱን ዕውት ውፅኢት ዝተርኣየሉ ብምዃኑ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ሓቲቶም እዮም፡፡

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ እውነቱ ኣለነ ብወገኖም ኮሰመኢ ዘመዝገቦም ዓወታት ብኹለመዳያዊ መልክዑ ጋህዲ ንክኾኑ እቲ ቤት ምኽሪ ፃዕሪ እናገበረ ምፅንሑ ብምግላፅ ውፅኢታዊ ትሕብብርን ንሓበራዊ ዓላማ ሓቢርኻ ምስራሕን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም እዮም፡፡

ኣይተ እውነቱ “ዝተመዝገቡ ዝጭበጡ ውፅኢታት እቲ ኮሚሽን ካብ ጎስጓስ ብዝሓለፈ ፅልዋ ፈጣሪ ናብ ምዃን እናተሰጋገረ ምዃኑ ርኢና ኢና እዙይ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ካብቲ ኮሚሽን ትፅቢት ይግበር” ክብሉ ገሊፆም እዮም፡፡

እዚ ናይ ሎሚ ምይይጥ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኮሰመኢ ምስቲ ቤት ምኽሪ ከካይዶም ዝፀነሐ ተኸታታሊ ምይይጣትን መድረኻትን መቐፀልታ እዩ፡፡ ኣብዚ መድረኽ እውን ምስ ኣመራርሓን ኣባላትን ቀዋሚ ኮሚቴ ዝተፈላለዩ መዋቕራት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላት፣ ትካላዊ ትሕብብርን ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገብሮ ክትትል ሓበራዊ ምርድዳእ ይፈጥር፡፡

ኣብቲ ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ ሓዱሽ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራቴጂክ ትልሚ ኮሰመኢ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝተረኸቡ ዓወታትን ማሕለኻታትን ቀሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡

ከምኡ’ውን ኮሰመኢ ምስ ምኽሪ ሓሳባት ተቖፃፀርቲ ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪካን (AU) ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን (UN) ብዝስማዕማዕ መልክዑ ብመርትዖ ተኸፋፊሎም ዝቐረቡ ምኽሪ ሓሳባት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ዝሓዘ ፅሟቕ (Compendium) ሰነድ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣረኪቡ እዩ፡፡