ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ዙርያ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝተሳለጡ ተግባራት ብዝምልከት ሓበሬታ ንምልውዋጥ፣ ሓበራዊ ትልሚ ንምውፃእን ብመሰረት ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ተግባር ንኡስ ጉጅለ ናይ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ድሌት ስልጠና ንምግምጋምን ምስ ኣባላት መድረኽ ትሕብብር ኮሰመኢ- ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ምስ ንኡስ ጉጅለ ስግግር ፍትሕን ብዕለት 20 መስከረም 2019 ዓ.ም.  ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምኽክር ኣካይዱ እዩ፡፡  

ዕውት ተሳትፎ ሲቪል ማሕበረሰብ ተኣማኒ፣ ሓቛፋይን ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረን ከይዲ ስግግር ፍትሒ ንክህሉ ዕዙዝ እጃም ኣለዎ፡፡ እዚ ንኡስ ጉጅለ ስግግር ፍትሒ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሓበሬታ ዝለዋወጥሉ፣ ናይ ስራሕ ምንባብ ዝፈጥሩሉ፣ ድግግም ስራሕ ዘትርፉሉን ኣብ ሃገራዊ ዘተ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ልዑል እጃም ዘበርክትሉን መድረኽ ኮይኑ የገልግል፡፡  ኣብ ኩለን ክልላት ዝርከባ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ፍልጠት፣ ክእለትን ስትራቴጂካዊ ድልውነትን ምጥንኻር፤ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣሳታፋይን ኣብ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዝተመርኮዘን ምዃኑ የረጋግፅ፡፡  

ብ2013 ዓ.ም. ዝተጣየሸ መድረኽ ትሕብብር ኮሰመኢን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን፤ ኣብ መንጎ ኮሰመኢን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሓ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ዘላቒ ምይይጥን ትሕብብርን ንክህሉ ዘኽእል ትካላዊ መድረኽ እዩ፡፡ ብኮሰመኢን ሕብረት ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያን ብሓባር ዝምራሕ ንኡስ ጉጅለ እቲ መድረኽ ትሕብብር ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝተዋፈሩ ወይ ንምስታፍ ድሌት ዘለዎም ኣካላት ብሓደ ዘተኣኻኸበ እዩ፡፡ እዚ ፃዕሪ ኮሰመኢ ብሕጊ ብመሰረት ዝተውሃቦ ስልጣንን ሓላፊነትን ኣብ መንጎ ትካላት ትሕብብር ናይ ምፍጣርን ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሓቛፋይነት ናይ ምርግጋፅ ተልእኾን ጋህዲ ንምግባር ዘኽእሎ እዩ፡፡  

ኣብቲ መድረኽ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ቑፅሪ ኣባላት ናብ 41 ክዓቢ ምግባርን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ትካላት ብተወሳኺ ካብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ዝተውፃፅኡ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንክሕቆፉ ብምግባር ውክልንኡ ንክሰፍሕ ኣኽኢሉ እዩ፡፡ እዚ ድማ ኩለንተናዊ ተሳትፎ ኣብቲ መድረኽ ትሕብብር ዘለዎ ትካላዊ እምነት ምዕባዩ ዘመላኽት እንትኸውን ዝተፈላለዩ ናይ ክልላት ድምፅታትን ኣመለኻኽታታትን ዝሓቖፈ ሃዋህው ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕንፃፅ  ዝህልዎም ዕድል የስፍሖ እዩ፡፡  

ኣብቲ መድረኽ  ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያን ዋና ዋና ምዕባለታትን ዘተኮረ ብኪኢላ መብርሂ ቀሪቡ ምስ ተሳተፍቲ ሰፊሕ ምይይጥ ተገይሩ እዩ፡፡ እቶም ኣባላት እውን ኣብ ዙርያ ስግግር ፍትሒ ዘሳልጥዎምን ኣብ ቀፃሊ ዝተለምዎምን ስራሕቲ ኣቕሪቦም እዮም፡፡ እዚ ድማ እቲ መድረኽ ሓበራዊ መርሃ ግብሪታት ንኽዳለዉ ሓጊዙ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ተሳተፍቲ ናይቲ ንኡስ ጉጅለ ናይ 2019 በጀት ዓመት ሓበራዊ መርሃ ግብሪ ተግባርን ሰሌዳ ጊዜ ትግበራን ብሓባር ሓንፂፆም እዮም፡፡  

ካብ ዋና ትኹረታት እቲ ዘተ ኮሰመኢ ንትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዘዳለዎ ፍሉይ ማንዋል ስልጠና ስግግር ፍትሒ ምቕራብ እዩ ነይሩ፡፡ ተሳተፍቲ ትሕዝቶ፣ ስልቲን ኣገባብን እቲ ናይ ስልጠና ማንዋል ንምግምጋም ብዝተጣየሸ ጉጅለ ኣቢሎም ተመያይጦም እዮም፡፡  ኣብዚ ናይ ድሌት ዳህሳስ ዝተረኸቡ ሓሳባት ነቲ ማንዋል ንምምሕያሽን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሓደሽቲን እዋናውን ቀዳሚነት ዝወሃቦም ጉዳያት ኣብ ግምት ዘእተው ቀፃልነት ዘለዎም መርሃ ግብሪታት ዓቕሚ ምዕባይ ንምድላውን እታወት ዝኸውን እዩ፡፡