ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ዙርያ ኣተሓላልዋ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ብዘካየዶ ክትትል ዝተረኸቡ ርካቦታት መበገሲ ብምግባር ምስ ኣካላት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ኦሞ ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብቲ ዞባ ኣብ እትርከብ ከተማ ሀመር ቱርሚ መድረኽ ምኽክር ኣሳሊጡ፡፡  

ኣብቲ ምኽክር መድረኽ ኮሚሽነራትን ኪኢላታትን ኮሰመኢ፣ ፕሬዝዳንትታት ኣብያተ ፍርዲ ዞባን ወረዳታትን ደቡብ ኦሞ፣ ሓለፍቲን ተወከልቲን ፖሊስን ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊን፣  ስራሕ ሓለፍቲ ትካል ግልጋሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ከምኡ’ውን ተወከልቲ ዩኒቨርሲቲ ጂንካ ተሳቲፎም እዮም፡፡   

ነቲ ምኽክር መድረኽ መበገሲ ዝኾነ ሰነድ ዝተዳለወ ኮሰመኢ ካብ ዕለት 29 ለካቲት ክሳብ  17 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣርባ ምንጭ፣ ዲመካ፣ ቱርሚ፣ ዳሰነች፣ ያንጋቶም፣ ሃመር፣ ወላይታ ሶዶን ሃዋሳን ዘካየዶ ስራሕቲ ክትትል እዩ፡፡  

ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኮሰመኢ ወ/ሮ ኣሸነፈች ኣበበ ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርኦ መደረ ኮሰመኢ ካብ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ጉዳይ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዘተኮረ ፍሉይ ስራሕ ክፍሊ ብምውዳብ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ንምኽባር እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፀን እየን፡፡  

ናይቲ ምኽክር መድረኽ ዋና ዓላማ መሰላት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ብዝምልከት ግንዛበ ኣኽበርቲ ሕጊን ኣካላት ፍትሒን ምዕባይ እዩ ዝበላ እተን ኮሚሽነር ኣብ ዙርያ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ዘሎ ኩለመዳያዊ ትሕብብርን ምትእስሳርን ምምሕያሽ እውን ካልኣይ ወሳኒ ትኹረት ዝጠልብ ምዃኑ ሓቢረን እየን፡፡ 

ኢትዮጵያ ብብሄራዊ፣ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ማዕቐፋት ሕጊ ዝኣተወቶም ውዕላዊ ግዴታታት ሰብኣዊ ኽብሪን ድሕንነትን ስደተኛታት ክሕለዉ ዝሓቱ ምዃኖም ትኹረት ሂበን ዝተዛረባ እተን ኮሚሽነር፤ ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ብምኽንያት ኩናት፣ ስደትን ስግኣትን ካብ መረበቶም ዝመዛበሉ ብምዃኖም ንዘረፋ፣ ንብዝበዛ፣ ንማእሰርቲ፣ ንዘይሕጋዊ ዝውውርን ንዝተፈላለዩ ጥሕሰታት መሰልን ናይ ምግላፅ ዕድሎም ልዑል ምዃኑ ገሊፀን እየን፡፡ 

ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ፆታዊ ዓመፅ ሓዊሱ ንዝኸፍአ ሓደጋ ተጋለፅቲ ብምዃኖም ኣኽበርቲ ሕጊን ትካላት ፍትሒን ኣብ  ማእሰርቲ፣ ኣብ መፅንሒ፣ ምርመራን ኣብ ከይዲ ፍርዲን ሕጋዊ ስነ ስርዓትን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምኽባር ልዑል ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣተሓሳሲበን  እየን፡፡ 

ኣብ እዋን እቲ ክትትል ምስ ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን፣ ምስ ፖሊስ፣ ምስ ቢሮታት ፍትሒ፣ ኣብያተ ህንፀትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ምይይጥ ዝተገበረ እንትኸውን ናቲ ክትትል ዋና ዓላማ ስሩዕ ዘይኾነ ኣብ ቐፃሊ ምንቅስቓስ ስደተኛታት ኣብ ዝግበረሉ እዋን ዝፍጠሩ ስግኣታት ሓለዋን ግብረ መልሲ እቶም ትካላትን ብምንፃር ኣዎንታዊ ምፍትሒ ንምቕማጥ ምዃኑ ሓቢረን እየን፡፡ 

ብኪኢላታት ኮሰመኢ ዝቐረቡ ርካቦታት ክትትል መበገሲ ብምግባር ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ምይይጥ ግንዛበ ዘዕብዩን ሓላፊነት ዘለዎም ትካላት ብዝግባእ ንክዋፅኡ ዘኽእሉ ሓሳባት ተላዒሎም እዮም፡፡  

ኣብቲ መድረኽ መዛዘሚ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ኮሰመኢ መሓመድ ኣሕመድ ብወገኖም ኣብቲ ከይዲ ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ብዝበለፀ ተጋለፅቲ ብምዃኖም ኣድላዪ ዘበለ ትኹረት ንክወሃብ ብምሕታት ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብፅሕቶም ብዝግባእ ንምውፃእ ንኽንቀሳቐሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡