ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንስግታት ዞባዊ ቤት ፅሕፈት ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪካ (OHCHR ESARO) ብምትሕብባር ዓቕሚ ምዕባይን ጎስጓስን ማሕበራት ጉዳያት ዘተኮረ ዓውደ መፅናዕቲ ካብ ዕለት 8 ክሳብ 9 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ካብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላ፣ ሃረሪ፣ ሶማሊን ትግራይን ዝተውፃፅኡ ተወከልቲ 44 ማሕበራት ግዳያት ዝተሳተፉሉ እዩ፡፡  

ናይቲ ዓውደ መፅናዕቲ ዓላማ ዓቕሚ ማሕበራት ጉዱኣት ብምጥንኻር ስነ ምግባር ዝሓለወን ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝስማማዕን ስነዳን ምዝገባ ግዳያትን (victim mapping) ንምክያድ ኮይኑ ብተወሳኺ ድማ ግዳያት ተሞክሮታቶም ዘካፍሉሉ፣ ትሕብብር ንምጥንኻርን ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ግዳያት ቀዳምነት ዝህብዎም ጉዳያት ንምንፃርን እዩ፡፡  

ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ድሕሪ ምፅዳቑ ማሕበራት ግዳያት ኣብቲ ከይዲ ጉዱኣት ኣብ ምንፃር፣ ስነዳ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምምዕባል መዝገብ ግዳያትን ብዝምልከት ሓገዝ ንምግባር ልዑል ድሌት ነይርወን እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ብዙሓት ማሕበራት ሕፅረት ቴክኒካዊ ክእለት፣ ስታንዳርዱ ዝሓለወ ኣሰራርሓ ስነዳ ዘይምህላው፣ ምስ ድሕንነት፣ ሚስጥራዊነትን ስነ ኣእምሯዊ ጥዕና ግዳያትን ካብ ጉድኣት ዝተረፉን ብዝምልከት ማሕለኻታት ይገጥምወን ነይሮም እዮም፡፡ እዞም ዕንቅፋታት ከምዘመላኸትዎ ኣሰራርሓ ስነዳ ግዳያት ምስ ግቡእ መለክዒታት ሰብኣዊ መሰላትን መትከላት ስነ ምግባርን ዝተጠዓዓመ ምዃኑ ምርግጋፅ ኣድላዪ ከምዝኾነ እዩ፡፡  

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኮሰመኢ መምርሒ ምዝገባን ስነዳን ግዳያት ዘቕረበ እንትኸውን ብዛዕባ ዓላማ፣ ኣገባብ ኣሰራርሓን ምስ ስነ ምግባርን ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠዓዓም ስነዳን ዝምልከት ንተሳተፍቲ መብርሂ ተዋሂቡ እዩ፡፡ ካብ ክልል ሶማሊ ዝተወከሉ ማሕበራት ግዳያት ተሞክሮታቶም ዘቕረቡ እንትኾን ኣብ ምንፃርን ምዝገባን ግዳያት፣ ኣጠቓቕማ ኮቦ ቱልቦክስ፣ ዝተኸተልዎ ኣገባብ ኣሰራርሓን ዘጋጠምዎም ማሕለኻታትን ዝረኸብዎም ልምዲታትን ብዝምልከት ሓሳቦም ኣካፊሎም እዮም፡፡ ተሳተፍቲ ብወገኖም ብጉጅለ ተኸፋፊሎም ኣሰራርሓ ምዝገባ ግዳያትን ተግባራዊ ክኾኑ ዝኽእሉ መዐቀኒታት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ብጉጅለ ዝተመያየጡሎም ሓሳባት ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪቦም እዮም፡፡   

ኣብ ፆታ መሰረት ዝገበሩ  ኣሰቃቒ ተሞክሮ ዝገጠሞም ሰባት ማእከል ዝገበረን ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣብ ማሕበራት ግዳያት ምትእትታው ዘተኮረ ብኪኢላ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(OHCHR ) ዝተመርሐ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ እዩ፡፡ እቲ ዘተ ፍሉያት ድሌታትን ተሞክሮታትን ደቂ ኣንስትዮ ግዳያትን  ምስ ጎንፂ ዝተተሓሓዘ ጾታዊ ዓመፅን (CRSV) ኣብ ግምት ምእታው፣ ከምኡ ውን ኣብ ከይዲ መስርሕ ስግግር ፍትሒ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎአን ምርግጋፅ ኣገዳሲ ምዃኑ ነፂሩ እዩ። 

ኣብ መበል ካልኣይ መዓልቲ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ድማ ማሕበራት ግዳያት ምስ ዋና ቤት ዕዮኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ተወከልቲ ከባቢ 30 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ትካላት መንግስትን ብሓደ ዝዘተይሉ መድረኽ እዩ፡፡ ኣብቲ ዘተ ማሕበራት ግዳያት ብዛዕባ ኣመሰራርትአን፣ ዕብየተን፣ ዓወታተንን ዝቐፀሉ ማሕለኻታትን ብዝምልከት ሓሳበን ንከካፍላ ዕድል ዝፈጠረ መድረኽ ነይሩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ ምይይጥ ማዕርነት ስርዓተ ፆታ ኣብ ማሕበራት ግዳያትን ማሕበራት ብሓባር ናይ ምውዳብ ተሞክሮታትን ብዝምልከት ሓሳብ ተላዒሉ እዩ፡፡ ሕብረት ማሕበራ ግዳያት ብወገኑ ዓላማታቱን ትልሚታቱን ዘቕረበ እንትኸውን ካብ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ደገፍን ትሕብብርን ዝጠልቡ ጉዳያት እውን ሓቢሩ እዩ፡፡  

ብተወሳኺ ድማ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ሞንጎ ማሕበራት ግዳያትን ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ምትእስሳር ኣብ ምጥንኻር፣ ምልዕዓላት ግዳያት ኣብ ምሕጋዝን ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ብዝተወደበ መንገዲ ተሳትፎ ንምግባርን ዝዓለመ ስትራቴጂካዊ ምይይጥ ንኸካይዱ ዕድል ዝፈጠረ እዩ፡፡ እቲ ምይይጥ ተሞክሮታትን ድሌታትን ግዳያት ከምኡ’ውን ግዳያት ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ቀዳምነት ዝህብዎም ንጥፈታትን ኣብቲ ከይዲ ኣብ ዝገብርዎ ተሳትፎ ዉሑስ፣ ሓቛፋይን ትርጉም ዘለዎን ንክኸውን ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሓበረ እዩ፡፡  

መትከላት ስነ-ምግባር ዝሓለወ መፅናዕቲ ምዝገባ ግዳያትን (victim mapping) ስነዳን መሰል ግዳያት ናብ ሓቂ፣ ፍትሒን ውፅኢታዊ ሕክምናን ካሕሳን ንምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ድሕንነትን ውሕስናን ግዳያት ምሕላው፣ ተወሳኺ ጉድኣት ከይበፅሕ ምክልኻልን ተኣማንነትን ሓላፍነት ዝተላበሰ ኣጠቓቕማ ሓበሬታ ንክትግበርን ብዝምልከቶም ኣካላት ስግግር ፍትሒ ንኽትግበር ይሕግዝ፡፡ ስለዘኾነ ድማ ተኸታታሊነት ዘለዎ ንግዳያት ማእኸል ዝገበረ ኣቀራርባ ብምኽታል ስራሕቲ ስነዳ መሰላት ግዳያትን ካብ ጉዱኣት ዝተረፉን ክኽበር ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡፡ 

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ንመምርሒ ምዝገባ ግዳያትን ስነዳን (Victim Mapping and Documentation Guide) ብምድላው ኣብ ንጥፈት መዝገብ ሓበሬታ ግዳያት ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር፣ ማሕበራት ግዳያት ክእለተንን ዓቕሚ ጎስጓሰን ብምዕባይን ዘለወን ፅልዋ ንምምሕያሽ ዝገብሮ ሓገዝ ከምዝቕፅል ገሊፁ እዩ፡፡ ኮሰመኢ ምስ ቤት ዕዮ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ብምትሕብባር ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ግዳያት ንምዕባይን ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረን ንግዳያት ማእኸል ዝገበረን ከይዲ ስግግር ፍትሒ ንኽትግበርን ስራሕቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፁ እዩ፡፡