ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ፖሊስ ጣቢያታት ክልል ኦሮሚያ ብዘሳለጦ ክትትል ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲ ዝተነፀሩ ርካቦታትን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ብዝምልከት ኣብ ከተማ ኣዳማ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምኽክር ኣካይዱ እዩ፡፡
ኮሚሽነር ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላትን መፅናዕትን ኮሰመኢ በዳሳ ለሜሳ ሓዊሱ ስራሕ ሓለፍቲ ኮሰመኢ፣ ካብ ፖሊስ ኦሮሚያ፣ ካብ ፖሊስ መምርሒ ዞባታትን ከተማ ምምሕዳራትን ከምኡ’ውን ስራሕ ሓለፍቲ ቢሮ ዓቃቢ ሕጊ፣ ቢሮ ጥዕና፣ ቢሮ ትምህርትን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም፡፡




እቲ መድረኽ ብመደረ ዝኸፈቱ ኮሚሽነር ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላትን መፅናዕትን በዳሳ ለሜሳ “ተመሳሰልቲ ምኽክራት ኮሰመኢን ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ኦሮሚያን ኣብቲ ክልል ኢሉ እውን ብብርኪ ሃገር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝክኣለሎም ጉዳያት ብዝበለፀ ንምትሕብባር፣ ኣብ ሓበራዊ ዒላማታት ንምምኽኻርን ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ትሕብብር ዝያዳ ንምጥንኻርን ዕድል ዝፈጥር እዩ” ክብሉ ገሊፆም እዮም፡፡




ኮሚሽነር በዳሳ ወሲኾም ድማ ኣብቲ ምኽክር ኣብ ዝቐረቡ ርካቦታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ብምምይያጥ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ናብ ዝሕግዝ ስምምዕ ምብፃሕን ብመሰረት ዝተዳለወ ትልሚ ኣፈፃፅማ ትግበራ ምኽሪ ሓሳባትን ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም እዮም፡፡
ኣብቲ ምኽክር መድረኽ ኮሰመኢ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ፖሊስ ጣቢያታት ክልል ኦሮሚያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲ ብዝምልከት ብዘካየዶ ክትትል ዝተረኸቡ ርካቦታትን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ንተሳተፍቲ ቀሪቦም ሰፊሕ ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡





ተሳተፍቲ ብወገኖም ኣብ ሕድሕድ ፖሊስ ጣቢያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲ ብዝምልከት ናይ ባዕሎም ሓሳብ ኣቕሪቦም እዮም፡፡ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ከይዲ ማሕለኻታት ኮይኖም ዝቐፀሉ ፀገማት ከምኡ’ውን ብዓቕሚ ትካላት ፖሊስ ክፍትሑ ዘይኽእሉ ጉዳያት ብዝምልከት ኮሰመኢ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር ጎስጓስ ንኽገብር ሓቲቶም እዮም፡፡ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲ ብዝሓሸ ዝያዳ ንኽመሓየሽ ምስራሕን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባት ናብ ተግባር ምሽራፍን ካብ መዳርግቲ ኣካላት ትፅቢት ከምዝግበር ተገሊፁ እዩ፡፡
ኮሰመኢ ናፅነቱ ሓሊዩ ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላት ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ከምዝሰርሕ እውን ተሓቢሩ እዩ፡፡