Areas of Work


መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን

ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተቓላዕቲ ብምዃኖም፤ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ምስፍሕፋሕ፣ ምኽባርን ምክልኻልን ክረጋግፅ ምግባር ኣብ ኣጀንዳ ሰብኣዊ መሰላት ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ፡፡  

ቀንዲ ስትራተጂያዊ ተግባራዊ ስራሕ ዝጠልቡ (strategic interventions) ጉዳያት፤ ክለሳ ሕጊን ምርምር/ምርመራ መዋቕራዊ ጥሕሰታትን፣ ምስ ሃገራውን ኣህጉራውን መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዘሎ ምጥዕዓም ምክትታል፤ ምብቃዕን ዋና ተዋሳእቲ ምግባርን ከምኡ’ውን ምስ ኩሎም ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ምሕዝነት ምፍጣርን እዮም።