Areas of Work


ክትትልን ምርመራን ሰብኣዊ መሰላት

ካብ ውልቀ ሰባት ብዝበፅሑና ጥርዓናትን ብዓርሰ ተበግሶን ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ነካይድ፤ ከምኡ’ውን ሃገራውን ዓለምለኻውን መትከላትን ሕጊታትን ሰብኣዊ መሰላት ምኽባሮምን በደላት ብልክዑ ተመርሚሮም ግቡእ ካሕሳን ተሓታቲነትን ምስፋኑ ንምርግጋፅን ኣብ ትካላት ኣብያተ ህንፀትን ህዝባዊ ግልጋሎታትን ክትትል ነካይድ። 

ዝኾነ ውልቀ ሰብ ወይ ትካል ኮሰመኢ ኣብ ዘካይዶ ምርመራ ናይ ምትሕብባር፣ ከምኡ’ውን ኮሚሽኑ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ብዝግባእ ንኽዋፃእ ዘድሊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ግቡእ ኣለዎ።