ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ መንደር ህፃናት ኤስ ኦ ኤስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ናፃ ግልጋሎት ሕጊ ክትትልን ድጋፍን ንምግባር ኣብ ዝተዳለወ ረቂቕ መምርሒ ንምግምጋም ዘኽእል መድረኽ ምኽክር ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ብዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ላዕለዎት ስራሕ ሓለፍቲ ኮሰመኢ፣ ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ፣ ካብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ፌደራል፣ ካብ ቤት ፅሕፈት ተኸላኸልቲ ጠበቓታት፣ ተወካሊ ቢሮ ጠበቓ፣ ካብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲታትን ናፃ ግልጋሎት ሕጊ ካብ ዝህቡ ሲቪክ ማሕበራትን ዝተውፃፅኡ ኣባላት ብሄራዊ ኮሚቴ ኪኢላታትን መዳርግቲ ትካላትን ተሳቲፎም እዮም፡፡ 

እቲ ኮሚሽን ተበፃሕነት ፍትሒ፣ ፅፈት ናፃ ግልጋሎት ድጋፍ ሕጊ ከምኡ’ውን ንሰብኣዊ መሰላት ማእኸል ዝገበረ ግልጋሎት ብብርኪ ሃገር ንክስፋሕፋሕ ተኸታተልቲ ስራሕቲ እናሳለጠ ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብዚ መድረኽ እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት በቲ ኮሚሽን ካብ ዝተሳለጡ ብዙሓት ስራሕቲ ብተወሳኺ ብመሰረት ኣብዚ እዋን እናተተግበረ ዝርከብ ስትራቴጂክ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ናፃ ግልጋሎት ሕጊ ንክስፋሕፋሕን ፅፈቱ ንክሕለውን ልዑል ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ገሊፁ እዩ፡፡  

ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝወሃቡ ናፃ ግልጋሎታት ሕጊ ወድዓዊ ኩነታትን መሰረታዊ ጉድለታትን ብምንፃር ዝተገበረ መፅናዕቲ ከምኡ’ውን ኮሰመኢ ብዝተውሃቦ ስልጣንን ሓላፍነትን ናፃ ግልጋሎት ሕጊ ንምክትታልን ግልጋሎት ዝህቡ ትካላት ንምድጋፍን ዝተዳለወ ረቂቕ መምርሒ ንተሳተፍቲ ቀሪቡ ሰፊሕ ምይይጥ ተገይሩ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ እቶም ተሳተፍቲ እቲ ዝተዳለወ መምርሒ ኣወሃህባ ናፃ ግልጋሎት ድጋፍ ሕጊ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝምርሐሎም መትከላት፣ ብርኪታት ፅፈትን እቲ ዝንኣሰ መዐቀኒ (minimum standard) ብግልፂ ዘቐመጠ ምዃኑ ብምግላፅ ምስ ንጥሕሰት ሰብአዊ መሰላት ተጋለፅቲ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጢ ኣብ ከይዲ ምምሕዳር ፍትሒ ክረኽብዎም ዝግባእ ግልጋሎታትን ድጋፋትን፤ ኢትዮጵያ ካብ ዝፈረመቶም ዓለምለኸ ስምምዓት፣ ካብ ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ.ን ካልኦት ሕጊታት ውሽጢ ዓዲን ብምፅራሕ ብሰፊሑ ምትእትታው ንምምሕያሽ ፅፈት እቲ ግልጋሎት ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊፆም እዮም፡፡ ብኻሊእ መዳይ ድማ ኣብ ኣቀራርባ እቲ መምርሒ፣ ኣወዳድባ፣ ትሕዝቶ፣ ናይ ቃላት ተመሳሳልነት፣ ትርጉምን ካልኦት ነቲ መምርሒ ከመሓይሹ ዝኽእሉ ሃናፃይ ሪኢቶታት ካብ ተሳተፍቲ ቀሪቦም ምይይጥ ተገይሩሎም እዩ፡፡  

ተወካሊት መንደር ህፃናት ኤስ ኦ ኤስ ኢትዮጵያ ኣቻምየለሽ ተፈሪ ናፃ ግልጋሎት ድጋፍ ሕጊ ናይ ህፃናትን ካብ ማእኸላት መሐብሐቢ ዝወፅኡ መናእሰይን ካልኦት ተጋለፅቲ ክፋላት ማሕበረሰብን መሰላት ንምሕላው ኣዳልዪ ምዃኑ ኣረዲአን እየን፡፡ እቲ ትካል ተበፃሕነት ፍትሒን ስርዓት ሓለዋ ህፃናትን ንምጥንኻር ንነዊሕ እዋን እናሰርሐ ምፅንሑ ዘረድኣ እተን ተወካሊት እቲ ረቂቕ መምርሒ እዋናዊን ጠቓሚን መሳርሒ ምዃኑ ብፍላይ ንህፃናት ዝወሃብ ግልጋሎት ድጋፍ ሕጊ ፅፈት፣ ተመሳሳሊነትን ተሓታትነትን ምርግጋፅ ከምዝግባእ ኣመላኺተን እየን፡፡ ውፅኢታዊ ትግበራ ንክህሉ ኣብ መንጎ ትካላት መንግስቲ፣ ኮሰመኢን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ዝህሉ ፅኑዕ ትሕብብር ከምዘድሊ ብምሕባር፤ ኤስ ኦ ኤስ እቲ ከይዲ ንምድጋፍ ናይ ህፃናት ተበፃሕነት ፍትሒ ብብርኪ ሃገር ንምምሕያሽ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ንምስራሕ ቑርፀኛ ምዃኑ ኣረጋጊፀን እየን፡፡  

ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዶ/ር ሚዛኔ ኣባተ ብወገኖም ፅፈት፣ ተመሳሳሊነትን ስርዓት ቑፅፅርን ናፃ ግልጋሎት ድጋፍ ሕጊ ብብርኪ ሃገር ምጥንኻር ከምዘድሊ ኣረዲኦም እዮም፡፡ እዚ ረቂቕ መምርሒ ሓደ ዓይነት ሃገራዊ ስርዓት ንምፍጣር፣ እቲ ዝንኣሰ መዐቀኒ ፅፈት ንምቕማጥን ከምኡ’ውን ናይ ውሽጢ ክትትልን ናይ ወፃኢ ቑፅፅርን ምጥንኻር ዘኽእል ምዃኑ መብርሂ ሂቦም እዮም፡፡ ወሲኾም ድማ እቲ ኮሚሽን ብመሰረት ሓዱሽ ስትራቴጂክ ትልሚ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ንሰብኣዊ መሰላት ማእኸል ዝገበረ ናፃ ግልጋሎት ድጋፍ ሕጊ ንምስፍሕፋሕ ቑርፀኛ ምዃኑን እቲ መምርሒ ክፀድቕ ከሎ ኮሰመኢ ሰፊሕ ናይ ምፍላጥ ስራሕ ከምዘሳልጥን ትካላት ብዝግባእ ንኽትግብሩዎ ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ገሊፆም እዮም፡፡