ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ)ብ2018 ዓ.ም. ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከባ ኣብያተ ህንፀት ብዘከናወኖ ክትትል ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተሃነፅቲ ዝተነፀሩ ርካቦታትን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ብዝምልከት ኣብ ከተማ ኣዳማ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምኽክር ኣካይዱ እዩ፡፡

ኣብቲ ምኽክር መድረኽ ኮሚሽነር ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላትን ምርምርን ኮሰመኢ በዳሳ ለሜሳ፣ ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣሸነፈች ኣበበ ሓዊሱ ስራሕ ሓለፍቲ ኮሰመኢ፣ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ክልል ኦሮሚያ ዋጋሪ ጫላን ካብ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኦሮሚያ፣ ቢሮ ጥዕና፣ ቢሮ ትምህርቲን ስራሕ ሓለፍቲ ኣብያተ ህንፀት ዞባታት፣ ወረዳታትን ምምሕዳር ከተማታትን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ዕዱማንን ተረኺቦም እዮም፡፡

ነቲ ምኽክር መድረኽ ብመደረ ዝኸፈቱ ኮሚሽነር ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላትን ምርምርን ኮሰመኢ በዳሳ ለሜሳ ኮሰመኢ ኣብ ዙርያ መሰላት ተሃነፅቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘከናወኖም ዋና ዋና ተግባራት፣ እቶም ተግባራት ዘምፅእዎ ዕውት ለውጥን ዝገጠሙ ማሕለኻታትን መብርሂ ሂቦም እዮም፡፡

እቶም ኮሚሽነር ወሲኾም ድማ ኮሰመኢን ምምሕዳር ኣብያተ ህንፀት ኦሮሚያን ብዘሳለጥዎም ስራሕቲ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተሃነፅቲ ምምሕያሻት ተራእዮም እዮም ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኮሰመኢ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብዝፈጠሮ ትሕብብርን ብኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ኣቢሉን እናተርኣየ ካብ ዝመፅአ ምልዕዓል ተደሚሩ ሐዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ህንፀት ዝርኣዩ ጉድለታት ኣተሓሕዛ መሰላት ተሃነፅቲ ንምፍታሕ ብትሕብብር ምስራሕ ከምዝግባእ ኮሚሽነር በዳሳ ኣመላኺቶም እዮም፡፡

ኣብቲ ምይይጥ ኮሰመኢ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣብያተ ህንፀት ክልል ኦሮሚያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተሃነፅቲ ብዝምልከት ብዘካየዶ ክትትል ዝተነፀሩ ርካቦታትን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ንተሳተፍቲ ቀሪቦም ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ እዩ፡፡

ተሳተፍቲ ብወገኖም ኣብ ኣብያተ ህንፀት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተሃነፅቲ ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ምችው ኩነታትን እናጋጠምዎም ዝርከቡ ማሕለኻታትን ብስፍሓት ኣልዒሎም እዮም፡፡

እቲ ምይይጥ ዝመርሕኦ ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኮሰመኢ ኣሸነፈች ኣበበ ብወገነን እቲ ኮሚሽን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንክስተኻኸል ብትሕብብር ምስርሑ ከምዝቕፅል ብምግላፅ ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባት ናብ ተግባር ክሽረፉ ምግባር ካብ መዳርግቲ ኣካላት ልዑል ፃዕሪ የድሊ ክብላ ፃውዒት ኣቕሪበን እየን፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ ምኽክር እቶም መዳርግቲ ኣካላት ኮሰመኢ ዘቕመጦም ምኽሪ ሓሳባት ኣብ ዝሓፀረ እዋን፣ ብማእኸላይን ኣብ ነዊሕ ጊዜን ተኸፋፊሎም ንኽትግበሩ ዝሕግዝ መርሃ ግብሪ ድርጊት ኣዳሊዮም እዮም፡፡