ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ካብ ዕለት 8 ሰነ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ኣብያተ ህንፀት ፌደራል ማለት እውን ኣብ ልዑል ሓለዋ (ኣባ ሳሙኤል)፣ ኣብ ጊዚያዊ መዕረፊ ቖፀሮ ቂሊንጦ፣ ኣብ ቤት ህንፀት ደቂ ኣንስትዮ ቃሊቲ ከምኡ’ውን ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ተሃድሶ ዝዋይ ዘካየዶም ክትትል ኣፈፃፅማ ርካቦታትን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት መድረኽ ምኽክር ከካይድ ጀሚሩ፡፡
ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተኻየደ ዝርከብ እዚ ናይ ክልተ መዓልቲ መድረኽ ምኽክር ኮሚሽነራትን ኣመራርሓን ኮሰመኢ፣ ላዕለዎት ስራሕ ሓለፍቲ ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ፌደራልን ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ሓዊሱ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም እዮም፡፡






ነቲ ምኽክር ብመደረ ዝኸፈቱ ኮሚሽነር ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስልጠናን ኮሰመኢ በዳሳ ለሜሳ ኣብ ኣብያተ ህንፀት ዝግበሩ ክትትላት ተጠናኺሮም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንክመሓየሽ መድረኽ ምኽክር ምድላው ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡ ንተግባራዊነት ምኽሪ ሓሳባት ርካቦታት ክትትል ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እጃሞም ንክፃወቱ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡
ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ፌደራል ተክሉ ደስታ ብወገኖም ኣብ ኣብያተ ህንፀት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ እቲ ምኽክር ኣድላይ ምዃኑ ብምሕባር ንተግባራዊነት ብኮሰመኢ ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባት ቑርፀኛ ምዃኖም ገሊፆም፡፡







ናይቲ መድረኽ ዋና ዓላማ ኣብ ኣብያተ ህንፀት ብዝተኻየደ ክትትል ዝተረኸቡ ርካቦታት መበገሲ ብምግባር ናይ ተሃነፅቲን ተጠርጠርትን ኩነታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝርዝር ምግምጋም፣ ጉድለት ኣለዎም ተባሂሎም ዝተነፀሩ ጉዳያት ዝፍትሕሉ ኣንፈት ምሕባርን ብመሰረት ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባት መዳርግቲ ኣካላት ክወስድዎም ዝግብኡ ስጉምቲታት ዝሓዘ ናይ ሓደ ዓመት ድርጊት መርሃ ግብሪ ንምድላውን እዩ፡፡
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብቲ ዝተዳለወ ናይ ሓደ ዓመት ድርጊት መርሃ ግብሪ ካብ ዘካየድዎ ምይይጥ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ዝርከብ ቤት ህንፀት ብምጉብናይ ልምዲ ልውውጥ ከካይዱ እዮም፡፡