ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንምትራፍ ጎናጎኒ ምዕባይ ስራሕቲ ግንዛበ፤ ተግባራዊ መልሲ ዝህቡ ማዕቐፋት ሕጊ፣ ፖሊሲን ትካላትን ምዝርጋሕ የድሊ
እቶም ስልጠናታት፤ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብን ኣፈፃሚ ኣካላትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምጥንኻር ብዝሓለፈ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ተግባራዊ ንምግባር ፍልጠትን ክእለትን ንምዕባይ ዕድል ፈጢሮም እዮም
ብምርባሕ እንስሳ ኣብ ዝመሓደሩ ከባቢታት ዘሎ ኩነታት መሰል ትምህርቲ ንምምሕያሽ፤ ምስ ኩነታት እቲ ከባቢ ዝጠዓዓም ተግባራዊ ምላሽን ዝተዋደደ ፃዕሪ መዳርግቲ ኣካላትን ወሳኒ እዩ
ምፅዳቕ ፕሮቶኮል መሰላት ጉዱኣት ኣካል ኣፍሪካ፤ ጉዱኣት ኣካል ንዘጋጥምዎም ማሕለኻታት ንምትራፍ ይሕግዝ
ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተጣየሻ ኣብያተ ዕዮ ስርዓተ ፆታ፤ ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ኣብ ምክልኻልን ተሓታቲነት ኣብ ምስፋንን መዳይ ልዑል እጃም ኣለወን
እቲ ስልጠና ኣድላዪ ዘበለ ፍልጠትን ክእለትን ኪኢላታት ብምዕባይ ስርሖም ብብቕዓት ንኽዋፅኡ ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ
ጉዱኣት ጥሕሰት መሰላት ዝተማልአ ግልጋሎት ንክረኽቡ ኣብ መንጎ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ስሩዕ ዝኾነ ዝተዋደደ ስርዓት ቕብብልን ምትእስሳርን የድሊ
ትግበራ መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ንክመሓየሽ ኣብ መንጎ ኮሰመኢን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ዘሎ ምትእስሳር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ
ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ድሕንነቶምን ሰብኣዊ ክብሮምን ብዝሓለወ መንገዲ ብዘላቒነት ንምጥያሽ ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ምትእስሳርን ምትሕብባርን ይሓትት
ኣብቲ ክልል ዝተርኣየ ኩነታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተሃነፅቲን ተጠርጠርቲን ንክመሓየሽ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ