ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ)ን Tomorrow is Better ብዝተብሃለ ሃገር በቆል ትካል ሲቪል ማሕበረሰብን ኣካቢነት ዝምራሕ “ንኡስ ጉጅለ መድረኽ ትሕብብር መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ኮሰመኢ-ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ” ብሓድነት ትሕብብሮም ብምጥንኻር ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ብዕለት 22 ሰነ 22018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምይይጥ ኣካይዶም እዮም፡፡ ኣብቲ መድረኽ ካብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተውፃፅኡ ኣብ ጉዳይ መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝሰርሑ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ ምይይጥ ኣተሓሕዛ ተመዛበልቲ ብዝምልከት ዝተማልአ ማዕቐፍ ሕጊን ትካላዊ ኣወዳድባን ዘይምህላዉ፣ ምምዝባል ኣብ ምክልኻል መዳይ ክፍተት ምህላዉ ከምኡ’ውን ሕፅረት ሰብኣዊ ድጋፍን ማሕለኻታት ኣተገባብራ ዘላቒ ፍታሕን ተጠቒሶም እዮም፡፡ ብኻልእ መዳይ ድማ ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ኣብ መዳይ ምኽባር መሰላት ምዝገባ፣ ኣወሃህባ ሰነድ፣ ናይ ምንቅስቓስ ናፅነትን መሰላት ስራሕን ብዝምልከት ዝገጥምዎም ዕንቅፋታት ዝተዳህሰሱ እንትኸውን ኣብ ልዕሊ ዘይስሩዕ መስመራት መንገዲ ተጠቒሞም ዶብ ኣቋሪፆም ኣብ ዝጉዓዙ ፍልሰተኛታት ዝበፅሕ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሕ ምይይጥ ተገይርሉ እዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኣብ በጀት ዓመት 2019 ቀዳሚነት ተዋሂብዎም ብሓባር ክስርሑ ኣብ ዝተተለሙ ዋና ዋና ተግባራት ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ እውን እቲ መድረኽ ትሕብብር ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ምግባርን በቢእዋኑ ናይ ሓበሬታ ልውውጥ ምግባርን ኣብ ዝክኣለሉ ኩነታት ምኽክር ተገይሩ እዩ፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ዳይረክተር ስራሕ ክፍሊ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብቲ መድረኽ ትሕብብር ድማ ኣካቢ ንኡስ ጉጅለ ኣብ ከይዲ ምምዝባል ዘለው ሰባት ኣይተ ምሕረተኣብ ገብረመስቀል መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ብዝግባእ ንኽስፋሕፍሑ፣ ንክኽበሩን ንክሕለዉን ናይ ምግባር ዓላማ ብሓደ ትካል ጥራሕ ጋህዲ ክኸውን ከምዘይኽእል ገሊፆም እዮም፡፡ ወሲኾም ድማ ነዚ ዓላማ ንምስኻዕ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዋና መዳርግቲ ኣካላት ምዃኖም ብምሕባር ኣብ ቀፃሊ ብሓባር ንምስራሕ ዝተሓሰቡ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንክኾኑ እቲ መድረኽ ትሕብብር ኣጠናኺርካ ምቕፃል ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡