ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) መሰል ጥዕና ማሕበረ ስነ ልቦና ፀገም (psychosocial disability) ዘለዎም ሰባት ብዝምልከት ንፈለማ እዋን ብዘካየዶ ክትትል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝተነፀሩ ርካቦታትን ዝቐረቡ ምኽሪ ሓሳባትን ብዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብዕለት 12 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ምኽክር ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ክትትል ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ትሕቲ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ትግራይን ዝርከባ 13 መንግስታዊ ሆስፒታላትን ማእኸላት ሕክምና ውልቀን ዝተኻየደ እንትኸውን ዋና ዓላማኡ ድማ ከም ከቢድ ድብርቲ፣ ባይፖላር ዲስኦርደር፣ ስኪዞፌርንያ፣ ሕማም ጭንቂ ዝኣመሰሉ ናይ ነዊሕ ጊዜ ጉድኣታትጥዕና ሓንጎል ምኽንያት ተግባራዊ ዘይምዃን (functional limitations) ከምኡ እውን ንማሕበራዊ መሰናኽላት ((social barriers) ዝተጋለፁ ሰባትን ኩነታት ግልጋሎት ሕክምና ንምፍላይን ከምኡ እውን መፍትሒ ዝኾኑ ሓሳባት ንምእንፋትን ዓላማ ዝገበረ እዩ፡፡

ኣብቲ ምኽክር መድረኽ ካብ ሚኒቴር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ሚኒስቴር ትምህርቲ፣ እቲ ክትትል ካብ ዝተኻየደለን ክልላት ቢሮታት ጥዕና፣ ቢሮ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ካብ ማሕበራት ኣካል ጉዱኣትን ካብ ትካላት ጥዕናን ዝተወከሉ ስራሕ ሓለፍቲን ኪኢላታትን ከምኡ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኮሰመኢ በቲ ክትትል ዝነፀሮም ብሉፃት ተሞክሮታት፣ ክስተኻኸሉ ዝግብኦምን ፍሉይ ትኹረት ዘድልዮም ጉዳያትን ዝሃቦም ምኽሪ ሓሳባት ሰፊሕ ምይይጥ ተገይሩሎም እዩ፡፡ ተሳተፍቲ ብወገኖም ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ማሕበረ ሰነ ልቦና ዝርኣዩ ጎዶሎታት፣ ብትካላቶም እናተወሰዱ ዘለው ስጉምቲታትን ዝገጥምዎም ዘለው ማሕለኻታትን ኣቕሪቦም እዮም፡፡

በቲ ክትትል ካብ ዝተነፀሩ ብኣወንታ ዝተርኣዩ ጉዳያት ማእኸል ሕክምና ሓንጎል ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝሓሸ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ጥራሕ ከይተደረተ ኣብ ዝተፈላለዩ ሪፈራልን መምሃሪን ሆስፒታላት እናተውሃበ ምዃኑ፣ ደለይቲ ሕክምና ጥዕና ሓንጎል ኣብ ቐረባ ክረኽቡ ምኽኣሎም፣ ክትትል ኣብ ዝተገበረሎም ትካላት ዝርከቡ ሰብሞያ ሕክምና ንተሓከምቲ ብፅቡቕ ስነ ምግባርን ኣተሓሕዛን ዘተኣናግዱ ምዃኖም ከምኡ እውን ኣብ መንግስታዊ ትካላት ሕክምና ካብ ሕክምና ወልፊ ወፃኢ ዘለው ሕክምናታት ሓንጎልን (አእምሮ) መድሓኒታትን ብመድሕን ጥዕና ንተጠቀምቲ ክወሃቡ ምግባሩ ዝጥቀሱ እዮም፡፡

ብኻልእ መዳይ እቲ ክትትል ኣብ ዝተኻየደሎም መንግስታዊ ትካላት ጥዕና ልዑል ሕፅረት መድሓኒት ምህላው፣ ከም ሕክምና ንዝረት ኤሌክትሪክ (Electroconvulsive therapy) ዝበሉ ኣድለይቲ ዝብሃሉ ሜላታት ሕክምናን ቴክኖሎጂታትን እኹል ብዝኾነ ዘይተመልኡ ምዃኖም፣ ኣብ ውሽጥዒ ዓዲ ንህፃናት ተጠቀምቲ ሕክምና ሓንጎል ተባሂሉ ዝተዳለወ መጠን መድሓኒት the(ዶዝ) ዘይምህላውን ናይ መድሓኒት ሕፅረት ምህላውን፣ ናይ ፀጥታ ፀገም ዘለወን ክልላት ቑፅሪ ደለይቲ ማሕበረ ስነ ልቦና ሕክምና ብልዑል መጠን ምውሳኹን ግልጋሎት ዝህቡ ቑፅሪ ሰብ ሞያ ዉሑድ ምዃኑን ኣብ ትካላት ጥዕና ዝርአ ልዑል ሕፅረት በጀትን ትኹረት ዝጠልቡ ዛዕባታት ምዃኖም ተሓቢሩ እዩ፡፡

ኣብ መጠቓለሊ እቲ ምኽክር ተሳተፍቲ ብኮሰመኢ ዝቐረቡ ምኽሪ ሓሳባት ንክትግበሩ ዘኽእል ድርጊት መርሃ ግብሪ ኣዳልዮም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን መሓመደ ኣሕመድ ሰባት ህይወቶም ብዝግባእ ንኽመርሑ፣ ንኽመሃሩ၊ ንኽሰርሑን ንማሕበረሰቦም ዝኽእልዎ ኣበርክቶ ንኸወፍዩን ጥዕና ሓንጎል መሰረታዊ መበገሲ ምዃኑ ብምሕባር እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ንተበፃሕነት፣ ተረካብነትን ፅፈትን ግልጋሎት ሕክምና ጥዕና ሓንጎል ትኹረት ሂቦም ንኽሰርሑ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡