ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (Network of African National Human Rights Institutions /NANHRI) ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃዋህው ሲቪክ ንምስፋሕን ሓለዋ ተሟገትቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምጥንኻርን ትኹረቱ ዝገበረ መድረኽ ምኽክር ካብ ዕለት 7 ክሳብ 8 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ ምኽክር ካብ ቤት ዕዮ ምብራቕ ኣፍሪካ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (Office of the High Commissioner for Human Rights-East African Regional Office – OHCHR-EARO)፣ ክፍሊ ፖለቲካ፣ ሰላምን ፀጥታን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢንስቲትዩት ሰብኣዊ መሰላት ዴንማርክ Danish Human Rights Instittion – DHRI)፣ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ (Kenya National Commission for Human Rights – KNCHR) ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለያ ሲቪክ ማሕበራት ዝተውፃፅኡ ተወከልቲ ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ ምኽክር ብዛዕባ ሲቪክ ሃዋህውን ሓለዋ ተሟገትቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከቱ ዓለምለኸን ኣህጉራዊን ማዕቐፋት ሕጊን መዓቀኒታትን ትኹረት ዝገበሩ ፅሑፋት ቀሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኮሰመኢ ክትትል፣ መፅናዕቲን ህዝባዊ መድረኽን (Public Inquiry) ብምክያድ ከምኡ’ውን ኣብነታዊ ሕጊ ብምድላው ንምስፋሕ ሲቪክ ሃዋህውን ንሓለዋ ተሟገትቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክሰርሖም ዝፀንሐ ስራሕቲ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቦም እዮም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ምኽክር ኣብ ኢትዮጵያ ዝሐሸ ሲቪክ ሃዋህው ንምፍጣር ማዕቐፋት ሕጊ ምምሕያሽ፣ ንተሟገትቲ ሰብኣዊ መሰላት ብኣካልን ብመርበብ መስመርን (Online) ጥሕሰት መሰል ንከይበፅሖም እኹል ሓለዋ ምግባርን ከምዝግባእ ኣፅንዖት ሂቦም ገሊፆም እዮም፡፡
ዋና ዳይሬክተር መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (Network of African National Human Rights Institutions (NANHRI)) ጊልበርት ሰቢሆጎ (Gilbert Sebihogo) ንምስፋሕ ሲቪክ ሃዋህውን ንምጥንኻር ሓለዋ ተሟገትቲ ሰብኣዊ መሰላትን መንግስታዊ ቑርፀኝነት ከምኡ’ውን ናይ ኮሰመኢን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ትሕብብር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኦም እዮም፡፡


ኣብ ኮሰመኢ ስራሕ ክፍሊ ሲቪክን ፖልቲካዊን መሰላት መቅደስ ኣመኑ ብወገነን ምኽባር መሰላት ምውዳብ፣ ሓሳብካ ብነፃ ናይ ምግላፅን ምሓዝን ንምስፋሕ ሲቪክ ሃዋህውን ንምጥንኻር ሓለዋ ተሟገትቲ ሰብኣዊ መሰላትን ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሓዊሱ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ንተፈፃሚነቱ ብሓባር ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪበን እየን፡፡