ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ስርዓት ቑፅፅር መራኸብቲ ሓፋሽ ብመንፅር ምኽባር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዘለዎም ብሉፃት ተሞክሮታትን ጉድለታትን ትኹረት ዝገበረ ምኽክር ብዕለት 13 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ እዩ። እቲ ምኽክር መድረኽ መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ ርእሰ ጉዳይ ዘለዎም ግንዛበ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።
ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞከራሲ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፣ ቤት ምኽሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፣ መራኸቢ ሓፋሽ ብሮድካስት፣ ፓርላማ ህፃናትን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ተወከልቲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ኣብቲ ምኽክር ተሳቲፎም እዮም።

ኣብቲ መድረኽ እንታይነት ቑፅፅር መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍነው ትሕዝቶታትን ስርዓት ቑፅፅርን ኣብ ምኽባር መሰል ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝተርኣዩ ዝበረታትዑ ምዕባለታትን ክስተኻኸሉ ዝግብኦም ዛዕባታትን ንምይይጥ መበገሲ ዝኸውን ዝርዝር መብርሂ ቐሪቡ እዩ።
እቲ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ እውን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ዝምልከቱ ፖሊሲታትን ሕጋገታትን ንጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ብዝግብኦም ልክዕ ዘይምትእትታዎም፤ እኹልን ተኸታታሊነት ዘለዎን ናይ ዓቕሚ ምዕባይ ስልጠና ዘይምህላዉ፤ ኣብ ትካላት ግልጋሎት ብሮድካስት ቑፅፅር ናይ ምግባር መዚነትን ሓላፊነትን ዝተውሃቦም ኣካላት ዝገብርዎም ገምጋማትን ክትትላትን እኹል ዘይምዃኖም፣ እቲ ምይይጥ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ካብ ሓደ ትካል መራኸቢ ሓፋሽ ወፃኢ እቶም ካልኦት መራኸብቲ ሓፋሽ ፖሊሲ ስርዓተ ፆታ ዘይብሎም ምዃኑ፣ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ቐዳምነት ብምሃብ እኹል ናይ ኣየር ሽፋን ኣብ ምምዳብ ጉድለታት ምህላዎም፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ዝበፅሕ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓትን ብጉድለት ዝቐረቡ እዮም። ብተወሳኺ ድማ ንህፃናት ዝምልከቱ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዝቐርቡ ትሕዝቶታት፤ ናይ ህፃናት ጥቕሚ፣ ኽብሪ፣ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎን ፍቓድን ኣብ ምርግጋፅ ጉድለታት ከምዘለዎም ተሓቢሩ እዩ።

ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ብወገኖም፥ ተቖፃፀርቲ አካላት መራኸብቲ ሓፋሽ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዘኽበሩ ንክኾኑ ስሩዕን ስልታዊን ክትትልን ቁፅፅርን ክገብሩ፣ ዓርሱ ዝኽኣለ ፖሊሲ ስርዓተ ፆታ መራኸብቲ ሓፋሽ ምርቃቕን ተግባራዊ ምግባርን፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ብርኪ ኣመራርሓ፣ ክኢላን ጉጅለ ኤዲቶርያልን ዝህልወን ዉክልናን ተሳትፎን ምዕባይ፣ ኣብ ምዕባይ ግንዛበ ብትሕብብር ምስራሕ፣ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ሪፖርት ዝግበረሉ ስርዓት ምዝርጋሕን ንህፃናት ዝምልከት ዝስርሑ ዘገባታት ኣሳታፊነት ምርግጋፅን ከምዝግባእ ሓቢሮም እዩ።

ካብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ዝተኸበራ ኣቡኔ ኣለም፥ ኣብ መንጎ መራኸብቲ ሓፋሽ ምትእስሳር ብምፍጣርን ብመዳይ ሕጊን ኣፈፃፅማን ዝተጠቐሱ ፀገማትን ንምፍታሕ፣ ትኽክለኛ ፅንዓት ብምክያድ ንዝምልከቶ ኣካል ምብፃሕ ከምዝግባእ ገሊፀን እየን። ወሲኸን ድማ፦ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ካብቲ ምኽክር መድረኽ ንቐፃሊ ስራሕቲ እታወታት ዝኾኑ ሓሳባት ከምዝረኸበን ስምምዕ ኣብ ዝተበፅሓሎም ነጥቢታት ተፈፃሚ ንክኾኑ መዳርግቲ ኣካላት ሓላፊነቶም ንኽዋፅኡ ኣድላይ ዘበለ ስራሕቲ ክትትልን ቑፅፅርን ከምዘካይድን ሓቢረን እየን።

ኣብ ኮሰመኢ ዳይሬክተር ከይዲ ስራሕ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን፣ ሰላማዊት ግርማይ ብወገነን ኣብቲ ምይይጥ ዝተልዓሉ ናይ ሕጊን ናይ ኣፈፃፅማን ጉድለታት መሰረት ብምግባር ቐፃሊ ስራሕቲ ዕውት ንምግባር ናይ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ተቖፃፀርቲ አካላት መራኸብቲ ሓፋሽን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ሓላፊነቶም ንኽዋፅኡን ብትሕብብር ንኽሰርሑን ፃውዒት ኣቕሪበን እየን። ብተወሳኺ እውን፥ ኮሰመኢ ኣብዚ ጉዳይ ስራሕቲ ክትትልን ምኽክርን ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ግቡኡ ከምዝዋፃእ ሓቢረን እየን።