ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣይተ ብርሃኑ ኣዴሎን ላዕለዎት ኣመራርሓን ኮሰመኢ ምስ ተጣበቕቲ መሰላት ግዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ዝኾና ናጅላ ናሲፋ ፓልማ ብዕለት 2 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኮሰመኢ ተራኺቦም ዘተ ኣካይዶም እዮም፡፡ እቲ ምይይጥ ዝተኻየደ እተን ተጣባቒት መሰል ግዳያት፣ ንምድንፋዕ መሰላትን ምጥንኻር ስርዓታዊ ደገፍ ግዳያትን ብዘለወን ተበግሶ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብፃሕ ኣብ ዘካየዳሉ እዋን እይ፡፡ እቲ ምይይጥ ትካላዊ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ንግድያት ማእኸል ዝገበሩ ኣሰራርሓታት ንምትእትታውን ዝዓለመ ኮይኑ መሰላት፣ ድምፂን ድሌታትን ግዳያት ንምርግጋፅ ንትካላዊ ምላሽን ኣሰራርሓታትን ሓገዝን ውፅኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ንምምራሕ እዩ፡፡

ኣብቲ ዘተዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ነተን ተጣባቒት መሰላት ግዳያት ብዛዕባ ሓላፊነትን እጃምን ኮሰመኢ ከምኡ’ውን ንግዳያት ቐፃሊነት ዘለዎ ደገፍን ምትሕብባርን ኣብ ምግባር ዘለው ተሞክሮታት ኮሰመኢ መብርሂ ሂቦም እዮም፡፡ እቶም ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ፍትሕን ሕውየትን መሰላት ግዳያት ንኽረጋገፅ ዝገብሮም ዘለው ጎስጓሳት፣ መስርሕ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ንግዳያት ማእኸል ዝገበረ ንክኸውን ንምርግጋፅ ዝገብሮ ዘሎ ክትትልን፤ ብፍሉይ ክፍሊ ኣቢሉ ድማ ንምድንፋዕ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዘካይዶም ዘለው ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ኣብራህርሆምለን እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣመራርሓ ኮሰመኢ፥ ኣብ ክትትልን ምርመራን፣ ምኽረ ሓሳባት (ለበዋታት) ኣብ ምውፃእ፣ ነፃ ናይ ሕጊ ደገፋት ኣብ ምስላጥ፣ ኣብ ምርግጋፅ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ፣ ምምልኻት ስርዓት ፅንዓትን ግዳያት ካሕሳ ንኽረኽቡ ኣብ ምጥባቕን ዝሰርሖም ዘለው ዝርዝር ስራሕቲ ኣቕሪቦም እዮም፡፡

እተን ተጣባቒት መሰላት ግዳያት ብወገንነ፥ ኮሰመኢ ዝሰርሖም ንዘለው ፃዕሪታት ብምንኣድ ኣብ ኣህጉራውን ብብርኪ ሃገርን ብፆታዊ ጥቕዓትን ዓመፅን ዝሳተፉ ገበነኛታት ተሓታትነት ኣብ ምርግጋፅ ዘለው ብድሆታት ብዝምልከት ርኢቶአን ኣካፊለን እየን፡፡ ከምተን ተጣባቒት መሰላት ግዳያት ሓሳብ ግልፂ ዝኾነ ናይ ተሓታትነት መስርሕ ብምዝርጋሕን ከምኡ’ውን እዋናውን ውፅኢታውን መልሲ ንከይወሃብ ዕንቅፋት ዝኾኑ ብድሆታት ንምዕፃው ድልዱል ኣሰራርሓታት ፀብፃብን ክትትልን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚረናሉ እየን፡፡ ብተወሳኺ ድማ፡ነዞም ብድሆታት እዚኦም ንምፍታሕናይቶም ግዳያት ጭቡጥ ተሞክሮታት (lived experiences) ንፖሊሲታትን ተግባራትን እታወት ንክኸውን ከምኡ’ውን ኩሎም ግዳያት ሓገዝን ፍትሕን ንክረኽቡ ኣብ ምርግጋፅን ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፀን እየን፡፡


እቲ ዘተ ኮሰመኢ ኣብ ምሕጋዝ ግዳያት፣ ተኣማኒነት ኣብ ምህናፅን ንመሰላት ግዳያት ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሐሎም መስርሒታትን ትኹረት ብምግባር ልምዲ ንምውሳድ ዝዓለመ ኮይኑ ብተወሳኺ ድማ ድጋፍ ግዳያት፣ ክትትልን ጎስጓስን ንምጥንኻር ዘኽእሉ ናይ ምትሕብባር ዕድላት ኣብ ምድህሳስ ዝዓለመ ነይሩ።
እተን ተጣባቒት መሰላት ግዳያት ኣካል ምስ ትካላት ሕቡራት መንግስታት፣ መንግስታዊ ትካላት፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ዞባዊ ኣካላትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምርኻብ ካብ ዝገብርኦ ዘለዋ ሰፋሕቲ ፃዕሪታት ሓደ ኮይኑ ዓላማኡ ድማ ቀፃልነት ዘለዎ፣ ስርዓታዊን፣ ንግዳያት ማእኸል ዝገበረን ናይ ምክልኻል፣ ምላሽ ምሃብን ምርግጋፅ ተሓታትነትን ንምድንፋዕ እዩ።