ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ደቂኣንስትዮ ኣባላት ፖለቲካ ፓርቲ፣ ውልቀ ሕፁያትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ዓውዲ መረፃ ብዛዕባ ብሕጊ ክግበረሎም ዝግባእ ሓለዋ ብዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ኣካይዱ። ኣብቲ መድረኽ ደቂአነስትዮ ሕፁያት ፖለቲካ ፓርቲ፣ ውልቀ ተወዳደርቲን ጋዜጠኛታትን ከምኡ እውን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ተሳቲፎም እዮም።

ኣብቲ መድረኽ ብዓለምለኸን ኣህጉራውን ስምምዓት ሰብኣዊ መሰላትን ብሃገራዊ ማዕቐፋት ሕጊን ኣብ ከይዲ መረፃ ንደቂ ኣንስትዮ ዝተውሃቡ ሓለዋታትን ደቂ ኣንስትዮ ምምስራት/ምፅምባር ፖለቲካ ፓርቲ፣ ናይ ምረፁኒ ምልዕዓል/ቕስቐሳ፣ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣኼባ፣ ኽርክር ምክያድን ሂስ ምቕራብን ሓዊሱ ኣብ መረፃን ጉዳያት ህዝባዊ ምምሕዳርን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብማዕረ ናይ ምስታፍ መሰል ዝምልከቱ ሓሳባት ቀሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ።
ኮሰመኢ ኣብ መበል 6ይ ቀሪን ዳግማይን ሃገራዊ መረፃ ብዘካየዶም ክትትላት ዝተነፀሩ ብሉፃት ስራሕቲን ዘተሓሳስቡ ጉዳያትን ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ እንትኾን ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ዝተርኣየሎም ጉዳያት ብምጥንኻርን ዘተሓሳስብ ተባሂሎም ዝተፈለዩ ጉዳያት ብምፍታሕን 7ይ ሃገራዊ መረፃ ደቂ ኣንስትዮ ብማዕርነትን በዘይኣድልዎን ተሳታፊ ንክኾና ምግባር ከምዘድሊ ተገሊፁ እዩ።

እቲ ዘተ ብዛዕባ መርሕነት ደቂ ኣንስትዮ ዝተዛብዐ ኣመለኻኽታ ምህላው፣ ብስነ ቁጠባ ዓርሰን ዘይምኽኣለን፣ ምስ ትምህርታዊ ምድላዋትን ሓበሬታን ኣንፃር ዝርኣዩ ጉድለታትን ከምኡ እውን ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበረ ብመርበብ ሓበሬታ ዝበፅሑ ጥቕዓታት ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳራት ውሽጢ እኹል ተሳትፎ ንኸይገብራ ዕንቅፋት ካብ ዝኾኑ ጉዳያት ማእኸል ቀንዲ ምዃኖም ተመላኺቱ እዩ።
ኣብ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሓላፊ ስራሕ ክፍሊ ስርዓተ-ፆታን ማሕበራዊ ሓቛፋይነትን ክብረዓለም ንጉሴን በዓል ሞያ ጉዳያት ሕጊ የኣብስራ ተፈሪን ኣብ እዋን መረፃ ካብ ሕፁያት ፖለቲካ ፓርቲ፣ ካብ ውልቀ ተወዳደርቲን ጋዜጠኛታትን ዝህልው ሓላፊነትን ስነ ምግባርን፣ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ብወገን እቲ ቦርድ ዝተወሰዱ ናይ ሕጊን ናይ ኣሰራርሓን ምምሕያሻትን እቲ ቦርድ ጥርዓንን ቅሬታን ዝቕበለሉ ከይዲ ንተሳተፍቲ መብርሂ ተዋሂቡ እዩ።

ኣብ ኮሰመኢ ዳይሬክተር ስራሕ ክፍሊ ሲቪልን ፖልቲካዊን መሰላት መቅደስ ኣመኑ ከምዝገለፅኦ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምሕዳር ህዝባዊ ጉዳያት ዝህልወን እጃም ብምልዓል ደቂአንስትዮ ኣመራርሓ ፖለቲካ፣ ኣባላትን ከምኡ እውን ደቂ ኣንስትዮ ሰብሞያ መራኸብቲ ሓፋሽን ኣብ መረፃን ህዝባዊ መድረኻትን ርኡይ ተሳትፎ ንኽገብራ ምቹው ባይታ ምፍጣር ከምዘድሊ ገሊፀን እየን። ብተወሳኺ እውን ኣብ 7ይ ሀገራዊ መረፃ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ማዕርነታዊ ተሳትፎ ንምርግጋፅ መንግስቲ፣ ፖለቲካ ፓርቲታት፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ከምኡ እውን ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝክኣሎም ሓላፊነት ኩሉ ንኽዋፅኡ ፃዊዒት ኣቕሪበን እየን።