ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ውሽጢ ኣብ ዝርከቡ ፖሊስ ጣቢያታት ብዘከናወኖም ክትትላት ሰብኣዊ መሰላት ዝተነፀሩ ርካቦታትን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ብዝምልከት ብዕለት 29 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ባምባሲ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምይይጥ ኣካይዱ እዩ፡፡
ኣብቲ ምይይጥ ካብ ቀዋሚ ኮሚቴ ምምሕዳር ሕጊን ፍትሒን ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ካብቲ ክልል ኮሚሽን ፖሊስን ዝተፈላለያ ዞባታት፣ ወረዳታት፣ ፍሉይ ወረዳታትን ፖሊስ መምርሒ ከተማ ምምሕዳራትን ዝተውፃፅኡ ተወከልቲ ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ ምይይጥ ኮሰመኢ ኣብ ፖሊስ ጣቢያታት ብዘከናወኖም ክትትላት ዝተነፀሩ ኣዎንታዊን ፍሉይ ትኹረት ዘድልዮም ጉዳያትን ከምኡ እውን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ቀሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡ ካብ ኣግባብነት ሕጊ ወፃኢ ዝካየዱ ምእሳርን ብስድራ ናይ ምጉብናይ ክልከላታትን ምምሕያሻት ምህላዎም፣ ኣብ ሓደሓደ ናይ ተጠርጠርቲ መፅንሒ ቦታታትሕድሳትን ናይ መዕረፊ ቦታ ህንፀት ምስፍሕፋሕን እናተኻየዱ ምዃኖም፤ ከምኡ እውን ዝተወሰኑ ፖሊስ ጣቢያታት ኣብ መፅንሒ ቦታ ንዝርከቡ ተጠርጠርቲ ዝውዕል ምግቢ በጀት ምምዳብ ምጅማሮም ኣብቲ ምይይጥ ብኣዎንታ ካብ ዝተልዓሉ ጉዳያት ማእኸል ይርከብዎም፡፡

ብኻልእ መዳይ ድማ መሰላት ተጠርጠርቲ ኣብ ዘየኽብሩን ጥሕሰት መሰል ኣብ ዝፍፅሙን ኣባላት ፖሊስ ምምሕዳራዊን ሕጋዊን ስጉምቲ ዘይምውሳድ፣ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ንሰባት ምእሳር፣ ብሕጊ ብዝተቐመጠ ናይ መዓልቲ ገደብ መሰረት ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይምቕራብ፣ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝግበሩ ጅምላዊ ማእሰርቲ ምህላዎም፣ ናይ መፅንሒ ቦታታት ምፅባብን ፀገም ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይን ኣብቲ ክልል ኣብ ሓደሓደ ፖሊስ ጣቢያታት ብዘተሓሳስብ መንገዲ ዝቐፀሉ ብምዃኖም ክመሓየሹ ዝግብኦም ጉዳያት ምዃኖም ተገሊፁ እዩ፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ብወገኖም ብዘተሓሳስብ መንገዲ ዝቐፀሉ ፀገማት ንምምሕያሽን ኣብቲ ክልል ዘሎ ሓፈሻዊ ናይ ተጠርጠርቲ ኩነታት ኣተሓሕዛ ንሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ ንክኸውንን ብቖራፅነት ምስራሕ ኣድላዪ ምዃኑ ትኹረት ሂቦምሉ እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ሪጅናል ዳይረክተር ስራሕ ክፍሊ ክትትልን ምርመራን በጋሻው እሸቱ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ዘለው ሰባት ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባር፣ ክኽበር ብምግባርን ክማላእ ኣብ ምግባርን መዳይ ትካላት ፖሊስ ዓብዪ ሓላፊነት ዘለዎም ምዃኑ ብምሕባር ምኽሪ ሓሳባት ኮሰመኢ ተግባራዊ ምግባር ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ኣተሓሕዛ ተጠርጠርቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ ምዃኑ ንምርግጋፅ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ገሊፆም እዮም፡፡