ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለያ ዞባታትን ምምሕዳር ከተማታትን ክልል ኣምሓራ ዝርከባ 32 ፖሊስ ጣቢያታት ብዘካየዶ ስራሕቲ ክትትል ዝተረኸቡ ርካቦታት መሰረት ብዕለት 5 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ባህርዳር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምይይጥ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ ምይይጥ ምክትል ኮሚሽነር ዋና መምርሒን ኣዛዚ ዋና መምርሒ ጉዳያት ገበን ምርመራን ፖሊስ እቲ ክልል፣ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ምምሕዳርን ቤት ምኽሪ እቲ ክልል፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ክልል፣ ቢሮ ፍትሒ፣ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ከምኡ እውን ኮሚሽን ሚሊሻ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (Office of the High Commissioner for Human Rights / OHCHR) ቤት ፅሕፈት ባህርዳር፣ ሓለፍቲ ስራሕን ተወከልቲን ቤት ትምህርቲ ሕጊ የኒቨርሲቲ ባህርዳር ከምኡ’ውን ሓለፍቲ መምርሒ ፖሊስን ኣዘዝቲ ጣቢያታትን ተሳቲፎም እዮም፡፡




ኣብቲ ምኽክር መድረኽ ብክትትል ዝተፈለዩ ብሉፃት ተሞክሮታትን ፍሉይ ትኹረት ዘድልዮምን ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ቐሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡ ኮሰመኢ ዘካየዶ ክትትል መሰረት ገይሩ ብዝተኻየደ ጎስጓስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ን172 ሰባት መፍትሒ ክወሃብ ምኽኣሉ፣ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ወሎ፣ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ዝርከባ ፖሊስ ጣቢያታት መብዛሕትኦም ተጠርጠርቲ ኣብ ዝተትሓዙ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም፣ ብገበን ዝተጠርጠሩ ሰባት ምስ ናይ ሓዳር መፃምዶምን ስድራኦምን፣ ምስ ናይ ቀረባ ቤተሰቦም፣ ምስ መሓዙቶም፣ ምስ ናይ እምነትን ሕጊን ኣማኸርቶም ሰሙን ሙሉእ ክራኸቡሉ ዝኽእሉ ኣሰራርሓ ምዝርጋሑ፤ ሰነ ስርዓት ምፅራይ ገበንን ምርመራን ድንጋገታት ሕጊ መሰረት ዝገበረ ኣሰራርሓ ምህላው ከምኡ እውን ኣብ ዝተወሰና ፖሊስ ጣቢያታት ምቹው ናይ ተጠርጠርቲ መፅንሒ ክፍሊታት ምህላዎም ብፅቡቕ መርኣያነት ዝተጠቐሱ እዮም፡፡




ብኻልእ መዳይ ድማ በቲ ክትትል ኣብ ዝተሸፈኑ ከባቢታት ማለት’ውን ባህር ዳር፣ ጎንደር፣ ዞባታት ሰሜን ጎጃምን ሰሜን ሸዋን ዝርከባ ናይ ተጠርጠርቲ መፅንሒ ፖሊስ ጣቢያታት ሰባት ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝትሓዙሉን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቐርቡሉን ኹነታት ምህላው፤ “እዋናዊ ጉዳይ” ብዝብል ዝተትሓዙ ተጠርጠርቲ ክሳብ 7 ወርሒ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንዝተናውሐ ማእሰርቲ ዝተጋለፁሉ ኹነታት ምህላው፤ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝበፅሕ ናይ ኣካል መቕፃዕቲ ምህላው፤ ምኽልካል ናይ ምጉብናይ መሰል ተጠርጠርቲ፤ ሓሓሊፉ ብኣባላት ፖሊስ ዝበፅሕ ምፍርራሕ፣ ቁጥዐ፣ ፀርፊን ኣካላዊ ቕፅዓትን፤ ንተጋለፅቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክፋል ሕብረተሰብ ዝግበር ዝተፈለየ ሓገዝ ዘይምህላው፤ ተመሳሳሊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ስርዓት ኣቀራርባ ጥርዓን ዘይምዝርጋሑ፤ ተጠርጠርቲ ኣብ እዋን ቀትሪ ኣብ ውሽጢ መዕረፊ ክፍሊታት ተዓፅዮም ዝውዕልሉ ስርዓት ምህላውን ፍሉይ ትኹረት ዝጠልቡ ክስተኻኸሉ ዝግብኦምን ጉዳያት ምዃኖም ተሓቢሩ እዩ፡፡




ምክትል ኮሚሽነር ዋና መምርሒን ኣዛዚ ዋና መምርሒ ጉዳያት ገበን ምርመራን ፖሊስ እቲ ክልል ምክትል ኮሚሽነር ታደሰ ኣያሌው ብኮሰመኢ ዝቐረቡ ርካቦታት ወድዓዊ ኩነታት ዝገልፁ ምዃኖም ሓቢሮም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲ ንምምሕያሽ ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ሓገዝ ዝጠልብ ምዃኑን እቲ ዋና መምርሒ ናይ ባዕሉ መመዘኒ (standard) ብምድላው ተግባራዊ እናገበረ ምዃኑን ተዛሪቦም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ሪጅናል ዳይረክተር ስራሕ ክፍሊ ክትትልን ምርመራን ሰብኣዊ መሰላት ዮናስ ሙሉጌታ ኣብ ውሽጢ ሃዋህው ጎንፂን ፀገም ፀጥታን ኣብ ምኽባር ልዕልና ሕጊን ድንጋገታትን መትከላትን ሰብኣዊ መሰላት ፖሊስ ሓላፊነቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ብምግላፅ ተጠርጠርቲ ሰብኣዊ ክብሮም ብዝሓለወ መንገዲ ምትሓዞም ንምርግጋፅን ሓፈሻዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እቲ ክልል ኣብ ምምሕያሽን ኮሰመኢ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ምስራሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም እዮም፡፡