ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊን ህዝባዊን መሰላት ኣፍሪካን (ACHPR) ምስ ጉጅለ ስራሕ ግዱድ ወይ ዘይፈቓድ ስወራ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን (UN WGEID) ብምትሕብባር ብዕለት 25 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓውደ-መፅናዕቲ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ተወከልቲ መንግስታዊን ዘይመንግስታውን ኣካላት፣ መዳርግቲ ልምዓት፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ምሁራንን ዘሳተፈ እዩ ነይሩ፡፡




ዋና ዓላማ እቲ ዓውደ-መፅናዕቲ መዳርግቲ ኣካላት ብዛዕባ እንታይነት ዞባዊን ዓለምለኻውን ኣረኣእያ ግዱድ ስወራ ዘለዎም ግንዛበ ንምዕባይን በቢዓመቱ ነሓሰ 24 (August 30) ዝዝከር ዓለምለኸ መዓልቲ ግዳያት ግዱድ ስወራ ንምዝካርን እዩ፡፡ ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ ተሳተፍቲ ዋና ዋና ዞባዊን ዓለምለኻውን ማዕቐፋት፦ ማለት እውን ICPPED ሓዊሱ መምርሒ ግዱድ ስወራ ኮሚሽን ሰብኣዊን ህዝባዊን መሰላት ኣፍሪካ 2022 ተመያይጦምሎም እዮም፡፡ ኣብቲ ምይይጥ ዞባዊን ዓለምለኻውን ሰብሞያ ሃገራዊ ጎስጓስ ንምጥንኻር ዝዓለሙ ተግባራዊ መስርሓት ዘካፈሉ እንትኸውን ብተወሳኺ እውን ግቡኣት UN WGEIDን ጉጅለ ዕዮ ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቅፅዓት ሞት፣ ካብ ሕጊ ወፃኢ፣ ብህፁፅን ብዘይኣግባብን ዝፍፀሙ ቅትለታትን ግዱድ ስወራን ኣቕሪቦም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ እቶም ክኢላታት ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ስምምዕ ሓለዋ ኩሎም ደቂ ሰባት ካብ ግዱድ ስወራ (ICPPED) ተቐቢላ እንተፅዲቓቶ ኣብ ዝህልዎ ልዑል ረብሓ ኣስሚሮምሉ እዮም፡፡





ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሰብኣዊን ህዝባዊን መሰላት ኣፍሪካ ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ጉጅለ ዕዮ መሰላት ቅፅዓት ሞት፣ ካብ ሕጊ ወፃኢ፣ ብህፁፅን ብዘይኣግባብን ዝፍፀሙ ቅትለታትን ግዱድ ስወራን ኣፍሪካ ዝኾኑ ክቡር እድሪሳ ሶው ግዱድ ስወራ “ክብሪ ዝነክእ ገበን” ክብሉ እዮም ገሊፀምዎ፡፡ ናይዚ ገበን ዝኸፍአ ጎኑ ዝገለፁ እቶም ኣቦ መንበር “ንሓለዋን ዕቀባን ግዳያት ሓላፍነት ዝተወሃቦም ህዝባዊን መንግስታዊን ኣካላት ከይተረፈ ኣብቲ ገበን ክሳተፉ ምርኣይ እዩ” ኢሎም እዮም፡፡ ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝሓበሩ እቶም ኣቦ መንበር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ፅንኩር ሓድነት ብምፍጣር ሕጋዊ ከለላታት ንከጠናኽሩን ኢትዮጵያ ንስምምዕ ICPPED ንኽትፍርም ንከተባብዑን ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡





ኣባል ጉጅለ ዕዮ ግዱድ ወይ ብሓይሊ ስወራ (UN WGEID) ዝኾና ዶክተር ኣዋ ባልዴ ብወገነን እቲ መዓልቲ መዘከርታ ቅድሚ ኩሉ ናይቶም ብብዙሕ መዳይ ዝሳቐዩን መብዛሕትኡ እዋን ድማ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገርን በደል ዝበፅሖም ግዳያት መዓልቲ ምዃኑ ኣስሚረናሉ እየን። ንተሳተፍቲ ብዛዕባ መሰረታዊ ባእታታት ግዱድ ስወራን ግቡኣትን ሜላታት ኣሰራርሓን እቲ ጉጅለ ዕዮ ማለት እውን ምጉብናይ ሃገራት፣ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ፀብፃባት ምቕራብን ምስ ሰብኣዊነት ዝተተሓሓዘ ግቡእ ኣብ ምትግባርን ዘተኮረ መብርሂ ሂበን እየን፡፡ ዶ/ር ኣዋ ወሲኸን ከምዘረጋገፅኦ እቲ ጉጅለ ዕዮ ምስ ኩሎም ኣብ መላእ ኣፍሪካን ዓለምን ብግዱድ ዝተሰወሩ ውልቀሰባትን ስድራቤቶምን ጠጠው ከምዝብል እውን ኣረጋጊፀን እየን፡፡

ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዶ/ር ሚዛኔ ኣባተ ብወገኖም ተግባር ግዱድ ስወራ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ስሩዕን ግልፅን እግድ ዝተገበረሉ ብምዃኑ ንዓለምለኻዊ ስምምዕ ICPPED ምፅዳቕ ናይ ሃገርና ማዕቐፍ ሕጊ ዝያዳ ዘጠናኽርን ብተወሳኺ እውን ነዚ ተግባር ኣብ ምክልኻል፣ ምርመራ ኣብ ምግባር፣ ተሓታትነት ኣብ ምርግጋፅን ንግዳያትን ንስድርኦምን ግቡእ ካሕሳ ኣብ ምሃብን ሃገራዊ ቖራፅነት ዝያዳ ዘጠናኽር እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ወሲኾም ድማ “እዚ መዓልቲ ዝዝከረሉ ዋና ዓላማ ኣብ ጎኒ ስድራቤታትን ማሕበረሰብን ግዳያት ግዱድ ስወራ ደው ብምባል ድጋፍ ንምግላፅን ዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ ካብ ሓለዋ ሕጊ ወፃኢ ንከይኸውን ዘለና ሓበራዊ መትከል ንምሕዳስን እዩ” ኢሎም እዮም፡፡
እቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ኩሎም ተሳተፍቲ ተግባር ግዱድ ስወራ ኣብ ምክልኻል፣ ንግዳያት ፍትሕን ግቡእ ካሕሳን ኣብ ምርግጋፅ ከምኡ’ውን ድልዱል ሃገራውን ዓለምለኻውን ማዕቐፋት ሕጊ ኣብ ምፍጣርን ዘለዎም ሓላፍነት ብዝግባእ ክዋፅኡ ሐበራዊ ፃውዒት ብምቕራብ እዩ ተዛዚሙ፡፡