ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዘካየዶ ክትትል ዝተረኸቡ ርካቦታት መበገሲ ብምግባር ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ምይይጥ ኣካይዱ እዩ።
ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን መሓመድ ኣሕመድ ከምዝገለፅዎ ፖሊስ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ዝከታተለሉን ዝቆፃፀረሉን እዋን መሰላት ኩሎም ወገናት ብዘኽበረ መንገዲ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ወሲኾም ድማ ፖሊስ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቦም ጉዱኣት ድሕንነቶም ንክሕሉ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ መሰጋገርቲ መስርሕ ተሓታትነት ንኸረጋግፅ፣ ከምኡ እውን ንህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ፍሉይ ሓለዋን ክንክንን ንኽገብር ኣተሓሳሲቦም እዮም።
ብተወሳኺ እውን ስደተኛታት ኣብ ዝተሓዝሉ እዋን ጉዳዮም ዝምልከቶ ሕጋዊ ኣካል ክርከቦም ብምግባር ድሕንነቶም ብቐረባ ምክትታል ከምዝግባእ ገሊፆም እዮም።
ገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ካብ መበገሲኡ ጠጠው ንክብል ምስ ፌዴራልን ትካላት ካልኦት ክልላትን ብሓባር ምስራሕ፣ ከምኡ’ውን ንኪኢላታት ምርመራን ነቲ ማሕበረሰብን መሰላት ስደተኛታትን ስልጠናታት ግንዛበ ምዕባይን ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሮም እዮም።
ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ድጋፌ ደበላ ብወገኖም እቲ ፀገም በቲ ርካቦት ዝተሓበረ ልክዕ ምዃኑ ብምግላፅ ዝተውሃቡ ምኽሪ-ሓሳባት ብተግባር ንምስትኽኻልን ተሳተፍቲ ዘይሕጋዊ ስደት ካብ መበገሲኡ ፈሊኻ ንሕጊ ብምቕራብ ውፅኢታዊ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ብምትሕብባር ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ዳሰነች (ነብረ ሙስ) ዝርከብ ድንበር ኢትዮ-ኬንያ ብዝግባእ ንክቆፃፀርን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝርኣየሎም ከባቢታት ተወሳኺ ኬላታት ፌዴራል ብምጥያሽ ግቡእ ሓለዋን ክትትልን ንክግበር ፃውዒት ቐሪቡ እዩ።