ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብርሃኑ ኣዴሎ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣምባሳደር  ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ ዙርያ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም፡፡  

ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ኮሰመኢ ነቶም ኣምባሳደር ተቐቢሎም ዘነጋገሩ ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ ምስቶም ኣምባሳደር ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ሐበራዊ ድሌታትን ዘተኮረ ዓሚቕን ሃናፃይን ምይይጥ ከምዝግበሩ ገሊፆም እዮም፡፡  

ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ነቶም ኣምባሳደር ናይ ኮሰመኢ ናይ ቀረባ ጊዜ ርካቦታትን ዕላዊ መግለፂታትን፣ ኣብ ናይ ቀደም ዞባ ኣርሲ ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት እቲ ኮሚሽን ዘካየዶ ምርመራ ሓዊሱ መብርሂ ምሃቦም ገሊፆም እዮም፡፡  

ብተወሳኺ እውን ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምዝታዮም ዝገለፁ እቶም ዋና ኮሚሽነር ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተርኣዩ ፀገማትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታትን ብምዝታይ ዜጋታት ንምሕላውን ተሓታትነት ንምስፋንን ዘላቒ ፃዕሪ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑን ሓሳብ ከምዝተለዋወጡ ገሊፆም እዮም፡፡ 

ኣብቲ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንጎ ኮሰመኢን ኤምባሲ ኣሜሪካን ዘሎ ትሕብብር ንምጥንኻር ብፍሉይ ድማ  ኣብ መዳይ ትካላዊ  ዓቕሚ ምዕባይ፣ ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ምስፍሕፋሕን ኣብ ዘለው ዕድላት መኺሮም እዮም፡፡  

እዞም ሓበራዊ ዓላማታት ንምድጋፍ ቐፃልነት ዘለዎ ዘተን ውፅኢታዊ ተሳትፎን ኣድላዪ ምዃኑ እውን ኣስሚሮምሉ እዮም፡፡  

ኣምባሳደር ማሲንጋ ብወገኖም ኮሰመኢ እሱራት ንክፍትሑ ዝገበሮ ልዑል ፃዕሪን ዝተረኸበ ውፅኢትን ብልዑል ኣድናቖት ከምዝርእይዎ ገሊፆም እዮም፡፡  

ኢሰመኮ የሁሉንም ሰዎች መብትና ክብር በሥራው ማዕከል በማድረግ፣ ነጻነቱን፣ ገለልተኝነቱንና ሙያዊ ብቃቱን ጠብቆ የተሰጠውን ተልእኮ መወጣቱን በሚቀጥልበት ወቅት የአለም አቀፍ አጋሮቹ ውጤታማ ተሳትፎ እና ትብብር እጅግ አስፈላጊ መሆኑን ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ አዴሎ አፅንኦት ሰጥተውታል። 

ኮሰመኢ መሰልን ክብርን ኩሎም ሰባት ናይ ስርሑ ዋና ማእኸል ብምግባር፣ ነፃነቱ፣ ዘይሻራዊነቱን ሞያዊ ብቕዓቱን ሓልዩ ዝተውሃቦ ልኡኽ ምፍፃም ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ውፅኢታዊን ተሳትፎን ትሕብብርን ዓለምለኸ መዳርግቲ ኣካላት ኣገዳሲ ምዃኑ ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ ኣፅንዖት ሂቦምሉ እዮም፡፡