ኣብ ውሽጢ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን ክፃወትዎ ዝኽእሉ እጃም ኣብ ዝምልከት ዋኒን ተወከልቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ምኽክር ተኻይዱ።
እቲ መድረኽ ብመደረ ዝኸፈታ ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ከምኡ እውን መተሓባበሪት ስግግር ፍትሒን ተበፃሕነት ፍትሒን ኮሚሽነር ኣሸነፈች ኣበበ ብሄራዊ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ድሕሪ ምፅዳቑ እቲ ፖሊሲ ናብ ተግባር ንምሽራፍ ብፅሒት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን ልዑል ምዃኑ ገሊፀን እየን።





እቶም ትካላት ብምርምር፣ ሰነዳት ብምድላው፣ ትንታነ ታሪኽ ብምሃብን ብቐፃሊነት ብማሕበረሰብ ዝካየዱ ተሳትፎታት ኣቢልካ ዝሓለፉ ጥሕሰታት ብዕምቆት ንምርዳእን ሓበራዊ ታሪኻዊ ተዘክሮ ንምሕላውን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዘለዎም እተን ኮሚሽነር ሓቢረን እየን።
ብተወሳኺ እውን ዓላማታትን ቖራፅነትን እቲ ብሄራዊ ፖሊሲ ናብ ተግባር ንምቕያር ተኣማኒነት ዘለዎ ሓበሬታ ምቕራብ ከምዘድሊ ዘስመራሉ እንትኾና፤ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ወሳኒ ኣብ ዝኾነሉ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ዝተገበረ እዚ ምኽክር እዋናዊን ልዑል ረብሓ ዘለዎን ምዃኑ ገሊፀን እየን።





ኣብቲ መድረኽ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ኤክስኪዩቲቭ ዲን ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ሙራዱ ኣብዶን ኣባል ሕብረት ንስግግር ፍትሒ (TJC) ዶ/ር ታደሰ ስሜን ብወገኖም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዓቕሚ ፈፀምቲ ብምህናፅ፣ ግንዛበ ሕብረተሰብ ብምዕባይን ፅፈት ረቂቕ ሕጊታት ንምምሕያሽ ግብኣት ብምሃብን ዘለዎም ሓላፊነት ኣመላኺቶም እዮም።
እቶም ትካላት ነዚ ሓደራ ንምውፃእ ምስ ኮሰመኢን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ዘለዎም ትሕብብርን ምትእስሳርን ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም እዮም።




ኣብቲ ምይይጥ ዝተዓደሙ ተሳተፍቲ ብወገኖም እቲ መድረኽ ኣበርክቶታት ኣካዳሚ ንምግንዛብ፣ ክፍተታት ፍልጠትን ምርምርን ንምፍላይን ኣብ ዘጋጠሙ ማሕለኻታት ብምምኽኻርን ተግባራዊ ማዕቐፋት ትሕብብር ንምዝርጋሕ ዓቢዪ ዕድል ዝፈጠረ ምዃኑ ገሊፆም እዮም።
እቲ መድረኽ ብትሕብብር ኮሰመኢ፣ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ሕብረት ስግግር ፍትሒን (TJC) ዝተዳለወ እዩ።