ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ንቑሕ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ስልጠናታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንዝንቀሳቐሱ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ከተማታት ኣዳማ፣ ድሬዳዋን ያቤሎን ሂቡ እዩ፡፡ እቶም ስልጠናታት ከይዲ ስግግር ፍትሒ ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረ፣ ሓቛፋይን ዓለምለኸ መዐቀኒታት ሰብኣዊ መሰላት ዘማልአን ንክኸውን ዕዙዝ እጃም ዝፃወቱ ኣካላት ዓቕሚ ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ፡፡   

ኣብ ከተማ ኣዳማ ካብ ዕለት 23 ጥቅምቲ ክሳብ 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ስልጠና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሳ ተወከልቲ 29 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ተሳቲፎም እዮም፡፡ እቲ ስልጠና ንሰልጠንቲ ኣብ ስግግር ፍትሒ ዘለዎም ርድኢት ንክውስኽ ካብ ምግባር ብዝሓለፈ እቲ ከይዲ ንኹሉ ማሕበረሰብ ዘሳትፍ፣ ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረ፣ ሓቛፋይን ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረን ንክኸውን ዓቕሞም ዘዕቢ ግንዛበ ተዋሂቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዓውዲ ስግግር ፍትሒ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምክትታል፣ ሰኒድካ ምትሓዝን ስራሕቲ ጎስጓስ ናይ ምስራሕ ክእለቶምን ንምዕባይ ዝሕግዙ ልምምዳት ገይሮም እዮም፡፡  

ብተመሳሳሊ ኮሰመኢ ነዚ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ስግግር ፍትሒን ዘተኮረ ስልጠና ካብ ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋን ክልል ሃረሪን ንዝተውፃፅኡ ኣባላትን ኣመራርሓን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ካብ ዕለት 30 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 4 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣሳሊጡ እዩ፡፡ ኣብቲ ስልጠና ንጉዱኣት ኣካልን ኤች ኣይ ቪ ኣብ ደሞም ንዝርከብን ሰባት ዝውክሉ ማሕበራት ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ዝተውፃፅኡ 35 ሰልጠንቲ ተሳቲፎም እዮም፡፡  

ብካልእ መዳይ ኮሰመኢ ካብ ዞባ ቦረናን መዋሰንቲ ወረዳታትን ዝተውፃፅኡ ትካላት እምነት፣ ኣባ ገዳ፣ ዉዳበታት ሃደ ስንቄን ካብ ባህላዊ ኣብያተ ፍርዲ ንዝተውፃፅኡ መራሕቲ ማሕበረሰብን ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ስግግር ፍትሒን ዘተኮረ ስልጠና ካብ ዕለት 30 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 2 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ያቤሎ ተሳሊጡ እዩ፡፡   

ኣብ  ክላስተር ደቡብ ክልል ኦሮሚያ ዝተኻየደ 35 ተወከልቲ ዝተሳተፉሉ እዚ መድረኽ መራሕቲ ማሕበረሰብ ኣብ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ከይዲ ስግግር ፍትሒን ዘለዎም እጃም ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ፡፡ እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ካልኦት ሃገራት መራሕቲ እምነትን ሽማግለታት ዓዲን ዝነበሮም ተሞክሮ ብምድህሳስ ነቲ ከይዲ ብበዓልዋናነት ንምምራሕ ዘኽእል ፍልጠትን ግንዛበን ንክጭብጡ ሓጊዙ እዩ፡፡ እዚ ስልጠና ቅድሚ ሐዚ ብምኽንያት ብዝተፈላለየ ኩነታት ፀጥታ ተበፃሒ ክኾኑ ዘይክኣሉ ትካላት ማሕበረሰብ ክልል ኦሮሚያ ብምብፃሕ ሰፊሕ ግንዛበ ንክህሉ ዕድል ዝፈጠረ እዩ፡፡  

ላዕለዋይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት ኮሰመኢ ዶ/ር መቅደስ ታደለ

ነቲ ስልጠና ብዝምልከት መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ላዕለዋይ ዳይረክተር ዳይሬክቶሬት ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት ኮሰመኢ ዶ/ር መቅደስ ታደለ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረን ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረን ንክኸውን እጃም ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ልዑል ምዃኑ ብምሕባር ኣብቲ ማሕበረሰብ ፍልጠትን ግንዛበን ንክስፋሕፋሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምስናድ፣ ንጉዱኣት ሓገዝ ስነ ልቦናን ሕጊን ብምሃብን ሕጋዊን ስርዓታዊን ምምሕያሻት ንኽትግበሩ ድጋፍ ኣብ ምግባር መዳይ ልዑል ሓላፊነት ከምዘለዎም ኣፅንዖት ሂበን እየን፡፡