ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዴንማርክን ምስ ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ኣስራሕቲ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ኣብ ዙርያ ንግዲን ሰብኣዊ መሰላትን ዘተኮረ ዓውደ መፅናዕቲ ዓቕሚ ምዕባይ ብዕለት 3 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ዕዮ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ቦታ ብምትእኽኻብ ብዛዕባ ዓለምለኸ ንግዲን መትከላት ሰብኣዊ መሰላትን ዘለዎም ግንዛበ ንምጥንኻር ከምኡ’ውን ሓደሽቲ ማዕቐፋት ሕጊ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትካላት ንግዲ ኢትዮጵያን ኣብ ኣሰራርሓታት ሰብኣዊ መሰላትን ክህልዎም ዝኽእል ፅልዋ ንምፍታሽ ዝዓለመ እዩ፡፡




ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ተቐዳሚ ፀሓፊ ኤምባሲ ሮያል ዴንማርክ ክርስቲያን ዊስታድ ኣብ ዙርያ ንግዲን ሰብኣዊ መሰላትን ዓቕሚ ምዕባይ ዘለዎ ረብሓን ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ንሰብኣዊ መሰላት ግቡእ ትኹረት ዝህብን ኣሰራርሓ ንግዲ ተግባራዊ ምግባርን ንትካላት ንግዲ ዝህልዎ ረብሓ ትኹረት ሂቦም መብርሂ ሂቦም እዮም፡፡ ምክትል ፕሬዝዳንት ኮንፍዴሬሽን ማሕበራት ኣስራሕቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳዊት ሞገስ ብወገኖም ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ትካላት ንግዲ ንምፍታሕን ንሓደሽቲ ዓለምለኸ መዐቀኒታት ዕውት መልሲ ንምሃብን ዘኽእል ፍልጠትን ኣሰራርሓን ክህልዎም ምግባር ዘለዎ ረብሓ ገሊፆም እዮም፡፡


ብላዕለዎት ኪኢላታት ኮሰመኢን ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዴንማርክን ኣብ ዙርያ ንግዲን ሰብኣዊ መሰላትን ዘለው ዋና ዋና ፅንሰ ሓሳባትን መለከዒታትን ዝተዳህሰሱ እንትኸውን ካብዚኦም ድማ መትከላት መምርሒ ንግዲን ሰብኣዊ መሰላትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት (United Nations Guiding Principles on Business and Human Rights (UNGPs))፣ ግቡእ ጥንቃቐ ሰብኣዊ መሰላት (Human Rights Due Diligence)፣ ከምኡ’ውን ናይ ቀረባ እዋን ማዕቐፋ ሕጊን ቑፅፅርን ሕብረት ኣውሮፓ ብፍላይ ድማ መምርሒ ግቡእ ጥንቃቐ ዘላቒነት ኮርፖሬት (Corporate Sustainability Due Diligence Directive (CSDDD))፣ ግዱድ ስራሕ ዝኽልክል ደንቢ ሕብረት አውሮፓን ደንቢ መምርሒ ምክልኻል ብርሰት ኣግራባት (EU Forced Labour Regulation, and the EU Deforestation Regulation) ይርከብዎም፡፡




ተሳተፍቲ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ብወገኖም ኣብ ኩነታት ንግዲን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ኮሰመኢ ንሰብኣዊ መሰላት ግቡእ ትኹረት ዝህብ ኣሰራርሓ ንግዲ ንክዓስል እናሳለጦም ዘለው ስራሕቲ ተመያይጦምሎም እዮም፡፡
ዳይረክተር ስራሕ ክፍሊ ጉዳያት ዘፈር ሰብኣዊ መሰላት ኮሰመኢ ሃዊ ኣስፋው ብወገነን እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኮሰመኢ ንሰብኣዊ መሰላት ግቡእ ትኹረት ዝህብ ኣሰራርሓ ንግዲ ንክስፋሕፋሕን ኣሰራርሓታት ንግዲ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዓለምለኸ ብርኪታት ሰብኣዊ መሰላት ዝስማምዑ ክኾኑ ንምግባር እናገበሮ ዘሎ ፃዕሪ ኣካል ምዃኑ ገሊፀን እየን፡፡ ወሲኸን ድማ ኮሰመኢ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርን ንዘላቒ ልምዓት ኣስተዋፅኦ ዝገብርን ኣሰራርሓ ንግዲ ንክጠናኸር ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ እውን ኣረጋጊፀን እየን፡፡