ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ተሃድሶ ጉዱኣት ኣካል ቕድም ክብል ዝተውሃቡ ምኽሪ-ሓሳባት ብዝምልከት ክትትልን ገምጋምን ኣሳሊጡ እዩ። 

ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን መሓመድ ኣሕመድ ጉዱኣት ኣካል መሰል ምርካብ ግልጋሎት ተሃድሶ ብዝምልከት ዝተገበረ ክትትል ሰብኣዊ መሰላት ኣፈፃፅማ ምኽሪ-ሓሳባት ንምግምጋም ምስ ቢሮ ጥዕና ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ጅንካ ዘተ ኣካይዱ እዩ። 

ብተወሳኺ እውን ምስ ስራሕ ኣካያዲ ማእኸል ተሃድሶ ጉዱኣት ኣካል ኣርባ ምንጭ ዘተ ዘካየዱ እንትኸውን ከምኡ እውን እዋናዊ ኩነታት እቲ ማእኸልን መምረቲ ዊልቸርን ተመልኪቶም እዮም። 

ኣብቲ ዑደትን ምይይጥን እቲ ማእኸል ክራንችን ፃዕዳ በትርን ምምራት ምጅማሩ፣ ክፍሊ ሕክምና ዝዞረ እግሪ ህፃናት ተሓዲሱ ስራሕ ምጅማሩ፣ ፅገና ማሽናት ፊዚዮቴራፒ እናተሳለጠ ምዃኑን፣ ቦርሳ፣ ቀበቶን ጫማን ምምራት ምጅማሩ ካብ ዝተርኣዩ ኣዎንታዊ ኣፈፃፅማታት እዮም። 

ይኹን እምበር ኣብቲ ዘፈር ስልጠና ዝህብ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ዘይምህላዉ ሕፅረት ሓይሊ ሰብ ምህላዉ፣ ስልጠናታት ምምሕያሽ ክእለት ሕፅረት ምህላዉን ግልጋሎታት ኣብ ከተማታት ጥራሕ ዝተወሰኑ ብምዃኖም ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ዜጋታት እናተፀገሙ ከምዝርከቡ ምምልካቶም ብዋናነት ብሕፅረት ት ዝተነፀሩ እዮም። 

ብሓፈሻ ፅፈት ዘለዎን ተመጣጣኒን ግልጋሎት ንምሃብ ኣብ ዙርያ ፖሊሲ፣ ፋይናንስ፣ ኣቕርቦት መሳርሕን ተበፃሕነትን ሰፋሕቲ ጉድለታት ከምዝተርኣዩ ተገሊፁ እዩ። 

ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ኮሰመኢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብቲ ዘፈር ዝተርኣዩ ዝነኣዱ ጅማሮታት ክቕፅሉ ብምግባርን ዘለው ማሕለኻታት ብዘላቕነት ንምፍታሕን ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን መዳርግቲ ኣካላትን ዝተኣሳሰረ ፃዕሪ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። 

ብተወሳኺ እኹልን ቐፃልነት ዘለዎን ምደባ በጀት ንክህሉ፣ ኣወዳድባ ትካላት ንክጠናኸርን ኣብቲ ዘፈር ብቑዓት ኪኢላታት ንምፍራይ ዘኽእሉ ፕሮግራማት ትምህርቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ንክስፋሕፍሑን ኮሰመኢ ዘካይዶም ስራሕቲ ጎስጓስ ከምዘጠናኽር ገሊፆም እዮም።