ብኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣሸነፈች ኣበበ ዝተመርሐ ልኡኽ ጉጅለ ኮሰመኢ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ሌሴቶ ከተማ ማሴሩ እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ኮሚቴ ኪኢላታት መሰላትን ድሕንነትን ህፃናት ኣፍሪካ (ACERWC) ኣብ ምስታፍ ይርከብ፡፡
ኣብቲ ዋዕላ ልኡኽ ጉጅለ ኮሰመኢ ኣብ ኣህጉራዊ ምይይጣት ተረኺቡ ኣብ ሓለዋ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን፣ ኣብ ዓውዲታት ፍሉይ ሓለዋን ክንክንን ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ኣብ ዙርያ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳለጡ ትካላዊ ስራሕቲን ዕውት ውፅኢታትን ኣቕሪቡ እዩ፡፡

ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣሸነፈች ኣበበ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ ኮሰመኢ ምስ ኣህጉራውን ዞባውን ኣሰራርሓ ሰብኣዊ መሰላት ብምትእስሳር መሰል ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ብዝግባእ ምኽባሮም ንምርግጋፅ ዝገብሮም ስራሕቲ ክትትልን ጎስጓስን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን እየን፡፡
ብተወሳኺ እውን እተን ኮሚሽነር ብብርኪ ሃገር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንምኽባር ዝተሳለጡ ስራሕቲን ዝተወሰዱ ትካላዊ ስጉምቲታትን ብዝምልከት ብዝርዝር መብርሂ ሂበን እየን፡፡

ልኡኽ ኮሰመኢ ኣብ መበል 48 ጉባኤ ዝተልዓሉ ሓሳባትን ዝተነፀሩ ተሞክሮታትን መሰረት ብምግባር ትካላዊ ፖሊሲን ሰነዳት ምኽሪ ሓሳብን ብምድላው ንዝምልከቶም ኣካላት ከምዘቕርብ እተን ኮሚሽነር ገሊፀን እየን፡፡
እቲ ልኡኽ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኦክቶበር 14/2026 መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (NANHRI) “ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ውሳነታት ኮሚቴ መሰላትን ድሕንነትን ህፃናት ኣፍሪካ ክፍፀሙ ኣብ ምግባር መዳይ ዘለዎም እጃም ምጥንኻር” ብዝብል ቴማ ኣብ ዝሳለጥ ጎናዊ መድረኽ እውን ክሳተፍ እዩ፡፡

ኣብዚ ኣህጉራዊ ኣኼባ እቲ ኮሚቴ ብዲጂታላዊ መንገዲ ዝፍፀሙ ኣብ ህፃናት ዝበፅሑ መጥቃዕቲታት ምክልኻል፤ ብመሰረት ዓንቀፅ 13 ቻርተር መሰላትን ድሕንነትን ህፃናት ኣፍሪካ ብዛዕባ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ህፃናት ዝተዳለወ ረቂቕ ሰነድ ሓፈሻዊ ሪእቶ ከምኡ’ውን ኣብ ዙርያ ንዕጥቂ ዝምልመሉ ህፃናት ዝተኻየዱ መፅናዕቲታት ዝምልከቱ ምይይጣት ክሳለጡ እዮም፡፡