ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ቤት ፅሕፈት ሃዋሳ ኣብ ክልል ሲዳማ ኣብ ዝርከባ 36 ፖሊስ ጣቢያታትን 3 ኣብያተ ህንፀትን ብዘካየዶ ክትትል ኣፈፃፅማ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዙርያ ዝተረኸቡ ርካቦታት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምይይጥ ኣካይዱ እዩ።



ኣብቲ ምይይጥ ዝተረኸቡ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋዊያንን መሓመድ ኣሕመድ ምኽሪ ሓሳባት እቲ ኮሚሽን ተግባራዊ ኣብ ምግባር መዳይ ኣብቲ ክልል እናተርኣዩ ዘለዉ ምምሕያሻት ዝንኣዱ ምዃኖም ገሊፆም እዮም።
ከም ኣብነት ንምጥቃስ ሓፈሻዊ መምርሒ ፖሊስ ክልል ሲዳማ በቲ ክትትል ዝተረኸቡ ርካቦታት መሰረት ብምግባር ዕለት 30 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ንኣርባዕቲአን ዞባታትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ ኩለን ፖሊስ ጣቢያታት ቀረብ ምግቢ፣ መውዐሊ ተጠርጠርቲን ከምኡ እውን ዕድመኦም ትሕቲ 18 ንዝኾኑ ተጠርጠርቲ መናእሰይ ፍሉይ መፅንሒ ንክማላእ ኣንፈት ምውራዱ ዝበረታታዕ ስጉምቲ ምዃኑ ሓቢሮም እዮም።


ብተወሳኺ እውን እቲ ኮሚሽን ክትትል ኣብ ዝገበረለን ኩለን ኣብያተ ፅሕፈት ፖሊስ ተጠርጠርቲ ብብሄሮም፣ ብፆታኦም፣ ብሃይማነቶም፣ ብፖለቲካዊ ኣመለኻኽታኦም ወይ ተመሳሳሊ ብዝኾነ ምኽንያት ኣድልዎ መሰረት ብምግባር ብዘይኣግባብ ኣብ ቑፅፅር ዘይምውዓሎም፣ ናይ ኩሎም ተጠርጠርቲ ውልቃዊ መረዳእታ ኣብ ባሕሪ መዝገብ ምምዝጋቡን ዝተትሓዙሉ ምኽንያት ክፈልጡ ምግባሩን ብፅቡቕ ጎኒ ዝተርኣየ እዩ።
ካብዚ ብዝሓለፈ ድማ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ኣብ ዝውዕሉሉ እዋን ይኹን ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝህልዉሉ እዋን ዝኾነ ይኹን ኣካላዊ፣ ኣእምራዊን ስነ-ልቦናዊን መቕፃዕቲ ዘይምብፅሑ፣ ብስድርኦምን ፈተውቶምን ብዘይ ገደብን ክልከላን ንክጉብነዩ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተኸበረ ምዃኑን ከምኡ እውን ንደቂ ኣንስትዮ ተጠርጠርቲ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝተፈለየ መፅንሒ ዝተዳለወ ምዃኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝግብኦ ብሉፅ ተሞክሮ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ።



እንተኾነ ግን ፖሊስ ኮሚሽን እቲ ክልል ንተጠርጠርቲ ምግቢ ንምቕራብ፣ ዓቕሚ ንዘይብሎም ግልጋሎት ሕክምና ንምሃብ፣ ፍሉይ ድጋፍ ንዝደልዩ ወገናት ኣድላዪ ዘበለ ክንክን ንምግባርን ዕድመኦም ትሕቲ 18 ዓመት ንዝኾኑ ሰገናት ፍሉይ መፅንሒ ቦታ ንምህናፅ ዝሃብ ትእዛዝ ተግባራዊ ንክኸውን መንግስቲ እቲ ክልል እኹል በጀት ንክምድብን መሰል ተጠርጠርቲ ንክኽበርን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓገዝ ንኽገብርን እቶም ኮሚሽነር ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።
ኣብ መዛዘሚ ድማ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣብያተ ፅሕፈት ከተማታት ኣይተ በጋሻው እሸቱን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሰመኢ ሃዋሳ ኣይተ ማኔ ማጋኔን ብወገኖም መዳርግቲ ኣካላት ዝተረፉ ዘይተፈፀሙ ምኽሪ ሓሳባት ኮሰመኢ ብምትግባር ኣብቲ ክልል ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበለፀ ንክመሓየሹ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።