መደበኛ ዘይኮኑ ዉዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ጥሕሰት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ዝህብዎም ግልጋሎታት ሓገዝ ሕጊ ክጠናኸሩን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመርኮሱን ክኾኑ ይግባእ
ትልሚታትን ኣፈፃፅማን ዘላቒ መፍትሒ ኣብ ፍቓድኝነት፣ ድሕንነት፣ ሰብኣዊ ኽብሪን ሙሉእ ተሳትፎን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ዝተመስረተ ክኸውን ይግባእ
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ምንጋድ ንምክልኻል ሕጊታት ብቖራፅነት ምትግባርን ዝተወደበ ኣሰራርሓ መዳርግቲ ኣካላት ምጥንኻርን ኣድላዪ እዩ
እዋናዊ ፀብፃብ ናይ ምቕራብ ግቡእ ብኣግኡ ምስላጥ፥ ኣፈፃፅማ ኣህጉራዊ ውዕሊታት/ስምምዓት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ
ሰብኣዊ መሰላት ብዘላቒነት ክኽበሩ ኣብ ምርግግጋፅን ንስግኣታት መፍትሒ ንምሃብን ትካላት ሃይማኖት ዕዙዝ እጃም አለዎም
ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረን ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዝገበረን ከይዲ ሽግግር ፍትሒ ንክህልው ምስ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር የድሊ
ዝርግሐ ሕማማት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን እናተወሰዱ ዘለው ስጉምቲታት ብምጥንኻር መሰል ጥዕና ዜጋታት ምርግጋፅ የድሊ
ተበፃሕነት፣ ተረካብነትን ፅፈትን ሕክምና ጥዕና ሓንጎል ንምርግጋፅ፣ መሰል ጥዕና ማሕበረ ስነ-ልቦና ፀገም ዘለዎም ሰባት ምኽባርን ምሕላውን ዓንዲ ወኒን እዩ
ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ንምድጋፍ ቀንዲ መትከላት ስግግር ፍትሒን ከይዲ ኣተገባብራኡ ዝሕንፅፁን ዝጭበጡ ኣገባባት ምግንዛብ የድሊ
ንጉዱኣት ኣካል ግልጋሎት ተሃደሶን ሓገዛዊ መሳርሒታት ናይ ምርካብ መሰልን ብዝተማልአ ኩነታት ተበፃሒ ንምግባር ነባር ትካላት ) ምጥንኻርን ምስፍሕፋሕን የድሊ