ስደተኛታት ዘጋጥምዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕን ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ውሳነ ትርጉም ዘለዎም ተሳትፎ ንኽህልዎምን ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሐበራዊ ፃዕሪ ኣገዳሲ እዩ
ኣብ መንጎ መዳርግቲ ኣካላት ዝህሉ ምትሕብባር ምጥንኻር፤ ዕሸላት-ተኮር ፖሊሲታትን መደባትን ቅልጡፍ ምላሽ ዝህቡ ሓቖፍትን ኣብ መርትዖ ዝተመስረቱን ምዃኖም ንምርግጋፅ ኣገዳሲ እዩ
መደበኛ ዘይኮኑ ዉዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ጥሕሰት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ዝህብዎም ግልጋሎታት ሓገዝ ሕጊ ክጠናኸሩን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመርኮሱን ክኾኑ ይግባእ
ትልሚታትን ኣፈፃፅማን ዘላቒ መፍትሒ ኣብ ፍቓድኝነት፣ ድሕንነት፣ ሰብኣዊ ኽብሪን ሙሉእ ተሳትፎን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ዝተመስረተ ክኸውን ይግባእ
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ምንጋድ ንምክልኻል ሕጊታት ብቖራፅነት ምትግባርን ዝተወደበ ኣሰራርሓ መዳርግቲ ኣካላት ምጥንኻርን ኣድላዪ እዩ
ህንፀት መንገዲታትን ህንፃታትን ምቹውን ድሌት ጉዱኣት ኣካል ብዘማልእን መንገዲ ክኸውን ይግባእ
እዋናዊ ፀብፃብ ናይ ምቕራብ ግቡእ ብኣግኡ ምስላጥ፥ ኣፈፃፅማ ኣህጉራዊ ውዕሊታት/ስምምዓት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ
ሰብኣዊ መሰላት ብዘላቒነት ክኽበሩ ኣብ ምርግግጋፅን ንስግኣታት መፍትሒ ንምሃብን ትካላት ሃይማኖት ዕዙዝ እጃም አለዎም
ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረን ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዝገበረን ከይዲ ሽግግር ፍትሒ ንክህልው ምስ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር የድሊ
ዝርግሐ ሕማማት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን እናተወሰዱ ዘለው ስጉምቲታት ብምጥንኻር መሰል ጥዕና ዜጋታት ምርግጋፅ የድሊ