ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተጣየሻ ኣብያተ ዕዮ ስርዓተ ፆታ፤ ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ኣብ ምክልኻልን ተሓታቲነት ኣብ ምስፋንን መዳይ ልዑል እጃም ኣለወን
ፅኑዕ ትካላዊ ምትሕብባር ብምምስራትን ቐፃልነት ዘለዎ ግንዛበ መዕበዪ ስራሕቲ ብምስራሕ፣ ዘይሻራዊን ተሓታትነት ዝተረጋገፀሉን ስርዓት ፍትሒ ምህናፅ ይክኣል እዩ
ስደተኛታት ዘጋጥምዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕን ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ውሳነ ትርጉም ዘለዎም ተሳትፎ ንኽህልዎምን ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሐበራዊ ፃዕሪ ኣገዳሲ እዩ
ኣብ መንጎ መዳርግቲ ኣካላት ዝህሉ ምትሕብባር ምጥንኻር፤ ዕሸላት-ተኮር ፖሊሲታትን መደባትን ቅልጡፍ ምላሽ ዝህቡ ሓቖፍትን ኣብ መርትዖ ዝተመስረቱን ምዃኖም ንምርግጋፅ ኣገዳሲ እዩ
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ምንጋድ ንምክልኻል ሕጊታት ብቖራፅነት ምትግባርን ዝተወደበ ኣሰራርሓ መዳርግቲ ኣካላት ምጥንኻርን ኣድላዪ እዩ
ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረን ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዝገበረን ከይዲ ሽግግር ፍትሒ ንክህልው ምስ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር የድሊ
ዝርግሐ ሕማማት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን እናተወሰዱ ዘለው ስጉምቲታት ብምጥንኻር መሰል ጥዕና ዜጋታት ምርግጋፅ የድሊ
ንጉዱኣት ኣካል ግልጋሎት ተሃደሶን ሓገዛዊ መሳርሒታት ናይ ምርካብ መሰልን ብዝተማልአ ኩነታት ተበፃሒ ንምግባር ነባር ትካላት ) ምጥንኻርን ምስፍሕፋሕን የድሊ
ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲ ንምምሕያሽ ምስመዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ኣብ ምስራሕን ቖራፅነትን ወሳኒ እዩ
እዚ ኩነት መከታተሊ ሃገራዊ መረፃ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ ምዃኑ ኣብ ምርግጋፅ መዳይ ልዕሉ እጃም ይፃወት